ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን፡ ማያዊ ግዝኣተይ ጥሒሶም ኢላ ዝኣሰረቶም 10 ኣሜሪካዊያን ባሕረኛታት ነጻ ለቂቃቶም


ኣሜሪካ’ውን ምልቓቕ እቶም ትማሊ ብኢራን ዝተታሕዙ ባሕረኛታታ ኣረጋጊጻ’ያ። ኢራን ነቶም ባሕረኛታት ማያዊ ግዝኣተይ ጥሒሶም ኢላ ንሓደ መዓልቲ ድሕሪ ምእሳራ ሎሚ ነጻ ለቒቓቶም።

እቶም 9 ደቂ-ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ትርኸቦም ኣሜሪካዊያን ባሕረኛታት አብ ትሕቲ ቀይዲ አብ ዝጸንሕሉ እዋን ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየጋጠሞም ካብ ፔንታጎን ዝተረኽበ መግለጺ የረድእ።

እቶም ባሕረኛታት ትማሊ ሰሉስ አብ ክልተ ጀላቡ ብምዃን አብ መንጎ ባሕሬንን ኪዌትን ዝርኸብ ፐርሻን ጋልፍ አብ ዝነበርሉ እዋን ርኽብ ምቁራጾምን አብ ከባቢ ደሴታት ፈርሲ ብሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከምዝተረኽቡን ካብተን ደሴታት መሊሶም ብሓይሊ ባህሪ ኣሜሪካ ምምላሶም ፔንታጎን ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ነቲ ኩነታት ንምጽራይ ይምርምሮ’ሎ።

ሚኒስተር መከላኸሊ ኣሜሪካ ኣሽ ካርተር ነቶም ዝተለቐቑ ባሕረኛታት አብ ዝተቐበልሉ ኣጋጣሚ ከምዚ ኢሎም። ‘ እዞም 10 ባሕረኛታት ንኢራን ለቒቖም አብ ኢድ ኣሜሪካ ብምእታዎም ብጣዕሚ ሕጉስ’የ። ንሚኒስትር ወጻኢ ጆን ኬሪ ድማ አብ ምልቓቕ እቶም ባሕረኛታት ምስ ኢራን ዘካየዶ ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ከመስግኖ እፈቱ’ ኢሎም።

ሚኒስትር ወጻኢ ጆን ኬሪ ብወገኖም ኢራን ነቲ ኩነታት ብቅልጡፍ ምፍትሓ ኣመስጊኖም። ንሶም ብተወሳኺ ‘ሰበ-ስልጣን ኢራን ነዚ ጉዳይ አብ ምፍታሕ ዘካየድዎ ምትሕብባር ከመስግኖም ይፈትው። እዚ ብሰላምን ውጺኢታዊ ብዝኾነ መንገድ ዝተዛዘመ ጉዳይ ዲፕሎማሲ ንሃገርና ውሕስትን ሰላምን ጸጥታን ክህልዋ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ መርኣያ’ዩ’ ኢሎም።

ሚኒስትር ወጻኢ ኢራን መሃመድ ጃቪድ ዛሪፍ እዚ ጉዳይ እቶም ባሕረኛታት ብዝርርብን ምርድዳእን ብዘይ ዝኾነ ምፍርራሕን ህውኸትን ምፍትሑ ክንመሃረሉ ዝግባእ አብነት’ዩ ክብሉ አብ ናይ ቲወተር መልእኽቶም ጽሒፎም።

ሓለዋ ሰውራ ኢራን እቶም ባሕረኛታት ዝተፈትሑ ኣሜሪካ ነቲ ምትእትታው ይቕሬታ ብምሕታታን ዳግም ከምዘየጋጥም ብምርግጋጻን’ዩ ኢሉ።

ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ግን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እቶም ባሕረኛታት ብዝምልከት ዝኾነ ናይ ይቕሬታ መልእኽቲ ከምየወጽአ’ዩ ዝገልጽ።

ጀነራል ዓሊ ፋዳቪ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ንቪኦኤ አብ ዝሃብዎ ቃል ቴክኒካዊ ጸገም ነይሩ ክከውን ይኽእል’ዩ ግን ኣብቲ ግዜ’ቲ ንጹር ኣይነበረን አብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትው ከለው ግን አብ ማያዊ ግዝኣት ኢራን’ዮም ኔይሮም።

ትማሊ ንመወዳእታ ጊዜ ሃገራዊ መደረ ዘስምዑ ፕረዝደንት ኦባማ ብዛዕባ እዚ ክስተት እንተዘይተዛረቡ'ዃ ብዛዕባ ዝሓለፈ ዓመት አብ መንጎ ኢራንን ምዕራባዊያን ሓያላት ሃገራት ዝተበጽሓ ስምምዕ ኑክልያር ግን ኣልዒሎም ዓለም ካልእ ውግእ ኣወጊዳ ክብሉ ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG