ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ሒጃብ ተኣሲራ: ዝሞተት ጓል ኣንስተይቲ ጉዳይ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢራን ተቓውሞ ምልዓሉ ተገሊጹ


ኢራናውያን ኣንጻር`ታ ሕጃብ ዘይገበርኪ ተባሂላ ብፖሊስ ምስ ተኣሰረት ዝሞተት መንእሰይ ጓል ተቓውሞኦም ኣሓይሎም ኣለዉ። ቪድዮ ማሕበራዊ ሚድያታት ከም ዘርእዮ ካብ 31 ግዝኣታት ኢራን ኣብ ፍርቀን ኣንጻር`ቶም እስላማዊ ገዛእቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ።

ድምጺ ኣመሪካ ካብ ውሽጢ ኢራን ሪፖርት ክገብር ስለዘይፍቀደሉ ነቲ ዳርጋ ሰሙን ዝቐጸለ ተቓውሞታት ከረጋግጾ ኣይክኣለን። ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ጀይክ ሱሊቫን፡ ኢራናውያን ኣንጻር ቅትለት`ታ ጓለ-ኣንስተይቲ ብነድሪ ሰልፊ እንተወጹ ዝገርም ኣይኮነን ኢሉ።

"ኢራናውያን ከምዚ ዓይነት ሕብረተሰብ ኣይኮነን ክንነብሮ ንደሊ ኢሎም ብነድሪ እንተወጹ ዝገርም ነገር ኣይኮነን። እቲ ዝተገብረ ነገር ምስ ዝኾነ ኣድማሳዊ ሕጊ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝሳነ ኣይኮነን ። ኣብዚ ጉዳይ`ዚ ኣመሪካ ብትብዓትን ብዘይ-ኣማትእ ኣገባባትን ምዝራባ ክትቅጽል`ያ።"

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝጀመረ ጓል 22 ዓመት ማሻ ኣሚኒ፡ ብጉዳይ ሕጃብ ብናይ ኢራን ናይ ሞራል ፖሊስ ተታሒዛ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከላ ሙሟታ ሆስፒታል ምስ ኣረጋገጸ`ዩ።

ሰበ-ስልጣን ኢራን ብወገኖም፡ ንክሲ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ፖሊስ ኣይፋሉን ብምባል ብድኻም ልቢ ከምዝዓረፈት ይዛረቡ።

XS
SM
MD
LG