ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢራን ዝተላዕለ ተቓውሞ ምቕጻሉን ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 200 ክብ ምባሉ ተገሊጹ


Iran Protest
Iran Protest

ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ተሓጋጋዚ ሚንስትር ኣብ ጉዳይ ዒራቕን ኢራንን ኣንድሪው ፒክ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢራን ዝኻየድ ዘሎ ተቓውሞ “ እዞም ተቓውሞታት ነቲ ኣሜሪካ ኣቐዲማ ትብሎ ዝነበረት ዘመላኽቱ እዮም። ቀንዲ ግዳያት መንግስቲ ኢራን ህዝቢ ኢራን እዮም። ነቲ ኩነታት ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና። ደገፍና ንህዝቢ ኢራን ቀጻሊ’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ድማ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ’ውን ንጹር መርገጺና ገሊጾም እዮም። ብተወሳኺ መንግስቲ ዜጋታት ዘለዎም መሰል ተቓውሞ ከኽብሩን ነቲ ሰላማዊ ተቓውሞ ጎነጻዊ ግብረ መልሲ ካብ ምሃብ ክቑጠቡ ንጽውዕ። ምክንያቱ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ሰባት እዮም ስለዚ ኽክበሩ ድማ ኣለዎም” ኢሎም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ህዝቢ ኢራን ነቲ ብልሽውን ጨካን መንግስቲ ኢራን ናይ ምግጣም ስጉምቲ’ዩ ዝወስድ ዘሎ ኢሎም። ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ብወገንም “ ጥቕሚ ዘይብሎምን ንካልኦት ሃገራት ዝዘልፉ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ዘጥፍእዎ ጊዜ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ኣተኹሮም ነቲ መዓልታዊ ዝፍጸም ቕትለት ሰባትን ጉዳይ መንበሪ ዘይብሎም ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ምፍታሕ እንተዘውዕልዎ ይግባእ” ክብሉ መልሲ ሂቦምሉ ኣለው።

መራሒ ኢራን መዓልታት እቲ ተቓውሞ ድሕሪ ምጅማሩ ሎሚ ጸላእቲ እታ ሃገር ብገንዘቦምን ኣጽዋርን ብፖሊሲን ነዚ ዘይምርግጋእ የጋድድድዎ ኣለው ኢሎም።

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ቱርኪ ብወገኖም ብዛዕባ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ጉድኣት ከምዘሻቐሎም ብምግላጽ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ከይተኣታተወ እቲ ጉዳይ መዓልቦ ኽረኽብ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ብመሰረት ሓበሬታ ቴሌቭዥን እታ ሃገር ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 20 ክብ ምባሉ ሓቢሮም ኣለው

XS
SM
MD
LG