ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢራን ኣብ ዑደቱ፣ ኡጋንዳ ኣንጻር ተመሳሳሊ ጾታ ዘሕለፍቶ ሕጊ ይምጕስ


ናብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ምብጻሕ ዝግበር ዘሎ ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ረኢሲ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ እታ ሃገር ኣብ ዝምድና ተመሳሳሊ ጾታ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ብምንኣድ፡ “ሃገራት ምዕራብ ተመሳሳሊ ጾታ ብምድፋእ፡ ስድራቤታትን ክብሪ ሕብረተሰባትን የዕንዋ ኣለዋ፡” ኢሉ።

ፕረዚደንት ረኢሲ ምስ መዘናኡ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሳቨነ ኣብ ዝገበሮ ጻንሖት፡ ክልቲኣን ሃገራት ኣብቲ ጉዳይ ተመሳሳሊ ኣርኣእያ ስለ ዘለወን ምትሕብባረን ከዕብያ ሓሳብ ሂቡ።

ኡጋንዳ ኣብ ቀረባ እዋን ዘሕለፍቶ ሕጊ ኣንጻር ተመሳሳሊ ጾታ ክሳብ ብሞት ዘቐጽዕ’ዩ።

ብኬንያ ዑደት ዝጀመረ ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ረኢሲ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምስ ሃገሩ ክትተሓባበር ጸዊዑ። ድሕሪ ኡጋንዳ፡ ፕረዚደንት ኢራን ናብ ዚምባብወ ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG