ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ኣሜሪካን ሓየልቲ ሃገራትን ምስ ኢራን ንዝበፅሓኦ ስምምዕነት ንኢዶም


ፕረዚደንት ኦባማ
ፕረዚደንት ኦባማ

ምስ ኢራን ዝተበፅሐ ምርድዳእ ታሪኻዊ’ዩ ዝበሉ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ብርኪ’ቲ ልዝብ ናብ ሓፈሻዊ ውዕል ምስ ኣሜሪካን ካልኦት ሓያላት ሃገራትን ከምዘብፅሕ ገሊፆም።

ኣብ ዋይት ሃውስ ሪኢቶ ዝሃቡ እቶም ፕረዚደንት፣እቲ ስምምዕነት “ፅቡቅ ስምምዕነት’ዩ፣ንመሰረታዊ ዕላማታትና ዘማልእ’ዩ” ክብሉ ገሊፆምዎ። ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተበፅሐ ውዕል “ኢራን ክተታልል እንተፈቲና” ነረጋግፀሉ ኣገባብ ዝነፀረ’ዩ’ውን ኢሎም።

“እዚ መዐቀኒ’ዚ፣ኢራን ተስጉሞ ፕሮግራም ንዩክለር ንሰላማዊ ኣገባብ እንተኾይኑ ተረጋግፀሉ ሰነድ’ዩ።ኢራን ምስ’ቲ ውዕል ሰሚራ እንተቐፂላ ናብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንክትፅምበር መረጋገፂ ክኾና’ዩ።እዚ ማለት ንትፅቢት ህዝቢ ኢራን ክትምልስ’ያ ማለት’ዩ።እዚ ንኢራንን ንዓለምናን ሰናይ ነገር’ዩ። ሓቂ’ዩ እዚ ስምምዕነት’ዚ ነቲ ኣብ ሞንጎና ተፈጢሩ ዘሎ ኣዝዩ ዓሙቕ ኣፈላላይ ብሓንሳብ ኣየፅብቦን” ኢሎም ንሶም።

ዕላማ’ቲ ውዕል ኢራን ንፕሮግራም ንዩክለር ንክተቛርፆ፣ማሕበረ-ሰብ ዓለም ድማ ኣብ ልዕሊኣ ንዘንበሮ እገዳ በቢብርኩ ከልዕሎን ዝብል’ዩ።

XS
SM
MD
LG