ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኢራን ብዝተፈጸመ ደብዳብ ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 13 ክብ ከምዝበለ ኢራን ኣፍሊጣ


ኣብ ከተማ ደማስቆ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኢራን ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፋሪት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 13 ክብ ከምዝበለ ኢራን ኣፍሊጣ። ኢራን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመት እስራኤል ምዃና ትኸስስ፡ ካብ መንጎ`ቶም ዝሞቱ ሸውዓተ ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምዃኖም ሓቢራ`ላ።

ኢራን፡ ብዛዕባ`ቲ ብእስራኤል ኣብ ኢምባሲኣ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ንምግምጋም ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዓ`ላ።

እስራኤል ብዛዕባ`ቲ መጥቃዕቲ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢባ`ላ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኢራን ሑሴን ኣክባሪ በቲ መጥቃዕቲ ንእስራኤል ብምኹናን፡ ሃገሩ ንዕኡ ዝመጣጠን ግብረ መልሲ ከም ትወስድ ሓቢሩ`ሎ።

እስራኤል ኣብቲ መንግስቲ ዝቆጻጸሮ ከባብታት ሶርያ ትገብሮ መጥቃዕትታት ድሕሪ`ቲ ምስ ሓማስ ዝካየድ ዘሎ ኩናት እናዕረገቶ መጽያ`ላ። ብኢራን ዝድገፍ ናይ ሊባኖስ ሂዝበላህ `ውን ኣንጻር እስራኤል ዶብ-ሰገር ደብዳባት ከም ዘካይድ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG