ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን -- ዕጡቓት 11 ሰባት ቀቲሎም፡ 8 ኣቝሲሎም


ፋይል
ፋይል

“ጀይሽ ኣልድል” ዝተባህለ ዕጡቕ ጕጅለ ኢራን፡ ናብ ሎሚ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ መደበር ፖሊስ ብዝገበሩ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ቀቲሎም ካልኦት 8 ድማ ከም ዘቝሰሉ መንግስታዊ ቴለቪዥን ኢራን ኣመልኪቱ። ፖሊስ ብግደኡ ካብቶም ንመጥቃዕቲ ዝመጽኡ ዕጡቓት ምቕታሉ ኣመልኪቱ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ካብ ቴህራን ኣስታት 1400 ኪሎሜተር (875 ማይላት) ብደቡባዊ-ምብራቕ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ’ዩ ተፈጺሙ። ከምዚ ዝመስል ተቓውሞ ኣብ ኢራን ኣዝዩ ሳሕቲ እኳ እንተዀነ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ግን ኣብ ልዕሊ ዓሌት ህዝቢ ባሉሽ ይወርድ ኣሎ ዝብሉዎ ኣድልዎ ዝቃወሙ ዕጡቓት ምዃኖም ይፍለጥ።

ሲታን ባሉቸስታን ዝተባህሉ ክልተ ኣውራጃታት ኢራን፡ ካብቶም ዝተሓተ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘለዎም ቦታታት ኢራን ኰይኖም፡ እንኮላይ ሎሚ ዓርቢ ሓዊሱ በብእዋኑ ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ሰለማዊ ስልፍታት ከም ዝካየድ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር። ዜጋታት እተን ኣውራጃታት ኣብ ገዛእ-ሃገርና ከም “ካልኣይ ዜጋ ኢና ንቝጸር” ዝብል ስምዕታ ኣለዎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG