ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን፤ ማንታ ፍንጀራታት ቦምባ 103 ሰባት ይቐትል፡ 141 የቝስል


ኣብ ከተማ ከርማን ኢራን ኣብ ጥቓ መቓብር መራሒ ርፓብሊካዊ ኣሃዱ ዝነበረ ጀነራል ቓሰም ሱሌማኒ ብዝተተኰሰ ክልተ ተፈንጀርቲ፡ ብውሑዱ 103 ሰባት ምሟቶም፡ ንምንጭታት ኢራን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ። መንግስታዊ መደበር ዜና ኢራን፡ በቲ ፍንጀራ 141 ሰባት ምቝሳሎም ጠቒሱ፡ ገለ ካብኣቶም ብኸቢድ ምህራሞም ኣመልኪቱ ኣሎ። እንተዀነ ሮይተርስ ብዝሒ ምዉታት 73፡ ቍሱላት ድማ 170 ክብል ኣስፊሩ ኣሎ።

እቲ ፍንጀራታት ንዝኽሪ ዓመት እቲ ኣብ 2020 ብድሮን ኣመሪካ ዝተቐትለ ኣዛዚ ጀነራል ቓስም ሱሌማኒ ኣብ ዝተኣከበ ህዝቢ’ዩ ኣጋጢሙ።

መራኸቢታት መንግስቲ ነቲ ፍጻመ “ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ” ክብላ ጸዊዐንኦ ኣለዋ።

ዝርዝር ናይቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣካል ግን ክሳብ ሕጂ ዛጊት ኣይተሓበረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG