ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሱዳን መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመሉ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ክስማዕ ውዒሉ


ከተማ ካርቱም
ከተማ ካርቱም

ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ኣብ ከተማ ካርቱም ንዝርከብ ብሓይሊታት ህጹጽ ወሃቢ ድጋፍ ተታሒዞም ዝነበሩ ቦታታት ኣብ ዘጥቅዓሉ እዋን፡ ደብዳብ ነፈርትን መዳፍዓታትን ነታ ከተማ ከናውጻ ውዒሉ'ሎ። እዚ ድሕሪ ኣዋርሕ ዝስማዕ ዘሎ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ካብቶም ተቓወምቲ መሬት ንምቁጽጻር ዝዓለመ ይመስል ክብል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።

እዚ ዝስማዕ ዘሎ ኣብቲ ኣብ ኒው-ዮርክ ዝቃናዕ ዘሎ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሱዳን ዓቢይ ኣጀንዳ ሒዙ ኣብ ዘሎ እዋን`ዩ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሓን ብዛዕባ ምብራዕ`ቲ ኵናት ሻቕሎቱ ከም ዝገለጸሉ`ውን ተሓቢሩ`ሎ።

ነበርቲ ኦምዱርማን ከቢድ ደብዳብ ከቢድ ብረትን፡ ነፈርትን ከም ዝነበረ ሓቢሮም ኣለዉ። ክልቲኦም ወገናት ንህንጻታት ሲቪላት ብምድብዳብ ይካሰሱ`ለዉ። ኵናት ሕድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅምር 17 ኣዋርሕ ጌሩ፡ ስቅያት ሱዳናውያን እናበኣሰ ይኸይድ ከም ዘሎ ጸብጻብት ይሕብሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG