ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስርዓተ-ምርጫ ኮውክስ ሪፐብሊካዊያን ኣይዋ ትማሊ ተዛዚሙ


ዶ/ር ኣፈወርቂ ጳውሎስ
ዶ/ር ኣፈወርቂ ጳውሎስ

ኮውከስ ኣባላት ፓርቲ ጥራሕ ዝሳተፉሉ መድረኽ ክትዕ'ዩ

ምርጫ ካውከስስ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣሜሪካ፣ንመዋእላት ኣብ ምሕራይ ፕረዚደንት ትሑት ኣድማዒ ፅልዋ ሒዙ ፀኒሑ’ዩ።

እዚ ኣገባብ‘ዚ፣ንፖለቲካዊ ኣባላት ሓደ ፓርቲ ጥራሕ ክፉት ኮይኑ፣ኣብ ዝተወሰነ ሰዓት ኣብ ሓደ መአከቢ ስፍራ ዝተራኸቡ ኣባላት እቲ ፓርቲ ብመሰረት ዝሃብዎ ድምፂ፣እቲ ዓብላሊ ድምፂ ዝረኸበ ውልቀ-ሰብ ሳዓራይ ዝገብር መስርሕ‘ዩ።

ካውከስስ ኣብ 19 ክፍለ-ግዝኣት ኣሜሪካ ዝካየድ ውድድር ቅድመ-ምርጫ ፕረዚደንታዊ ሕፁያት’ውን’ዩ።ኣብ ስርዓተ ካውከስስ፣ዓሰርተ ሚእታዊ ኣብ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ፣ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚእታዊ ድማ ኣብ ሪፐብሊካውያን ፓርቲ ድምፂ ተወከልቲ ኣለዎ።

ኣብ ሓደ እዋን ነባራይ ኣይዋ ምስ ዝነበሩን ኣብ'ዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርስቲ ካርኒጊ ፒትስበርግ ንዓለም-ለኸ ርክባትን ፖለቲካ ኣፍሪቃን ዝምህሩን ዶ/ር ኣፈወርቂ ጳውሎስ ዓዲምና ኣለና።ነቲ ቃለ-ምልልስ ኣዳምፁ።

XS
SM
MD
LG