ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

15 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ መዓስከር ስዱዳት ትግራይ ከምዘእተዎም IOM ገሊጹ


መብዛሕተኦም ስደተኛታት መናእሰይ እዮም
መብዛሕተኦም ስደተኛታት መናእሰይ እዮም

‘15 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት፣ ካብ ባሕቲ መጋቢት 2017 ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ዝተኸፈታ መዕቆቢታት ከምዘግዐዘ’ ዓለም ለኸ ማሕበር ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ‘ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕ/ሃን ተሓባቢሩ ነቶም ካብ ኤርትራ ዝሰገሩ ሓደሽቲ ስደተኛታት፣ ድሕሪ ሕክምናዊ መርመራ ምልጋስ ካብ እንዳባጉና ናብ ኣርባዕተ መዓስከራት ከምዘእተዎም’ ሓቢሩ።

‘ኣብ’ዚ እዋን’ዚ IOM (ዓለም-ለኸ ማሕበር ስደተኛታት) መዓልታዊ ሚእቲ ሰባት ይቕበልን፣ ሎም ዘበን እቲ ኣዝዩ ዝጻዓቐ ዋሕዚ ኣጋጢሙዎ ከምዘሎን’ ሓላፊ ማሕበር ስደተኛታት ጨንፈር ሽረ ቓጣብ ኸሊድ ገሊጹ።

ብመሰረት ወግዓዊ ሪፖርታት ‘ዓሚ 21,215 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ኣለው። ሎም ዘበን ድማ ክሳብ’ዚ ዘለናሉ ወርሒ፣ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለው።

መብዛሕተኦም ስደተኛታት መናእሰይ’ዮም። ብዓለም ለኸ ማሕበር ስደተኛታት ካብ ሞንጎ ዝጋዓዙ እቶም 46 ሚእታዊ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት’ዮም።

ናብ ኢትዮጵያ ንምስጋር ንመዓልታት ብእግሮም ከምዝተጓዓዙ’ውን ይዛረቡ።

XS
SM
MD
LG