ዋሽንግተን —
ብዛዕባ መጨወይትን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ እዞም ሰባት ፈለማ 9 ሰነ,2017 ዓ.ም ኣብ ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ኣብ ዝተዘገሓ ቪድዮ ምግላጹ ይፍለጥ።
ትካል ዓለምለኸ ፍልሰተኛታት ስድራ’ቶም ሰባት ገንዘብ ክኸፍሉ ኣብቲ ቪድዮ ተሓቲቶም፡ እቶም ዝተታሕዙ ድማ ዝተፈላለየ ስቕያት ክፍጸሞም ኸለው ኣብቲ ቪድዮ ከምተራእየ ይፍለጥ።
ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ጆወል ሚልማን ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ምንጪ’ቲ ቪድዮ ኣይተፈልጠን ግን ናይ ሓቂ ምኳኑ ኣየጠራጥርን’ዩ። ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝረአዩ ሰባት ኣዝዩ ዘስካሕክ’ዩ ይብል።