ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ካብ ሱዳን ሃዲሞም ኢትዮጵያ ምእታዎም ገሊጹ


ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ካብ ሱዳን ሃዲሞም ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት(IOM) ኣፍሊጡ።

ካብ ሱዳን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው እውን እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ገሊፁ። ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት-ቃል ኣይኦኤም ዝኾና ኬ ቪራይ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብኦ ቃለመሕትት፣ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ መተማ ዝበፅሑ ስደተኛታት፤ ንዜጋታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ቱርኪ፡ ኤርትራ፡ ሶማልን ኬንያን ሓዊሱ ናይ 50 ሃገራት ዜጋታት ከምዝርከቡዎም ሓቢረን። ዝተፈላለዩ ኤምባሲታት ንዜጋታቶም ሓገዝ ትራንስፖርት ክንህብ ይሓቱና ኣለው ዝበላ ኬ ቪራይ፡ በዚ መሰረት ትካለን ዛጊት ንኬንያውያን፣ ሶማልያውያንን ኡጋንዳውያንን ሓገዝ መጓዓዝያ ከምዝሃበ ተዛሪበን።

እቲ ትካል ነቶም ኣብ መተማ ዝበፅሑ ስደተኛታት ሓገዝ መግቢን መፅለሊን፡ ከምኡ’ውን ናብ ጎንደርን ኣዲስ ኣበባን ንዝመፅኡ ደገፍ ትራንስፖርት ይህብ ከምዘሎ ገሊፀን። እንተኾነ ግን ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብ ንምምላእ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዝ ክገብር ፀዊዐን።

XS
SM
MD
LG