ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ዝሓለፈ 20 መዓልታት ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝሞተ ስደተኛ ኮነ ፍልሰተኛ የለን” ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት


ኣብ ዝሓለፈ 20 መዓልታት ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝሞተ ስደተኛ ኮነ ፍልሰተኛ የለን ክብል ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ገሊጹ። ብሓፈሻ ሞት ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝነከየ’ዩ ክብል እቲ ትካል ወሲኹ የረድእ።

ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ከምዝበሎ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብድምሩ 2,410 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ሞይቶም።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ሊዮናርድ ዶይል ኣብ ዝሓለፈ 20 መዓልታት ብዘይዋላሓደ ሞት ምሕላፉ ዘደንቕ’ዩ ኢሎም ግን ኸአ እዚ ዝኾነሉ ብብርቱዕ ጻዕሪ ምኳኑ ኣፍሊጦም አለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG