ዋሽንግተን —
ዳይሬክተር ጨንፈር ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ንቀርኒን ደቡብ ኣፍሪቃ ፍራንሰ ሰለስተ ክልተ ኣስታት 310 ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ብሰኑይ ካብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ምርጋፈንን ብሰንኪ እዚ ድማ ሓንቢሶም ናብ ወሰን ባሕሪ ክበጽሑ ዘይከአሉ ስደተኛታት ከምዝሞቱ ሓቢሩ። ሬሳ 48 ካብኦም ከምዝተረኽበ 154 ድማ ምድሓኖም ሃለዋት 104 ግን ከምዘይተፈልጠ ተሓቢሩ'ሎ።
ንሱ ሃለዋት እቶም ዝተረፉ ንምርካብ ናይ ፍተሻን ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ቀጺሉ ከምዘሎ እንተኾነ ግን ምስ ዝሓለፈ ጊዜ ትሑት ተኽእሎ ብህይወት ምርካብ ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ።
ንሱ ቀጺሉ መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ኢትዮጵያዊያን ምዃኖምን እቲ መገዲ ድማ ኢትዮጵያዊያንን ሶማልያዊያን ስደተኛታት ዝጥቀምሉ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ዳይሬክተር ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጨንፈር ቀርኒን ደቡብን ኣፍሪቃ ፍራንስ ሰለስተ እቶም ስደተኛታት ካብ የመን ናብ ጅቡቲ ይምለስሉ ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ ሰነ 196 ስደተኛታት ምሟቶም ይዝከር።
ቅጥዒ