ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህልቂት ኣብ ሜድትራኒያን


EUROPE-MIGRANTS/
EUROPE-MIGRANTS/

ሰብኣውን ዓለምለኻውን ትካላት ኣብ ሜድትራኒያን ባሕሪ ሞት ስደተኛታት ንምውጋድ ህፁፅ ስጉቲ ንኽውሰድ ይፅውዑ ኣለው።መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፓ ብዛዕባ እት ቅልውላው ዝመክር ኣኼባ ኣብ ሉዘምበርግ ኣካይዶም ኣለው።

ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ክሳብ 700 ዝኾኑ ስደተኛታት ዝፀዓነት ጀልባ ተገልቢጣ እዩ እዚ ዘስካሕክሕ ህልቂት በፂሑ ዘሎ።ብህይወት ዝተረፉ ኣዚዮም ውሑዳት እዮም።

ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት /IOM/ ጆል ሚልማን እቲ ናይ ምድሓን ስርሒት ቀፂሉ ኢሎም።

ብመሰረት ፀብፃብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ኣውሮፒያዊያን ዓመት ልዕሊ 1,500 ሰባት ሞቶም ኣለው፤ምስ ናይ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ 2014 / እንተወዳደር ኣብ ቀዳሞት ኣርባዕተ ኣዋርሕ 96 ሰባት እዮም ሞይቶም።ሓደገኛ ጉዕዞ ይፍፅሙ ዘለው ስደተኛታት ካብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ፣ኤርትራ፣ሱማሊያዊያን ካብ ሶሪያን እዮም።

ሕብረት ኣውሮፓ ቅድሚ ሎሚ ጀሚሩዎ ናብ ዝነብረ ህይወት ናይ ምድሕን ስርሒት ክልመስ እውብ IMO ሓቲቱሎ።

ኣብ ሊቢያ ሕጊ ኣልቦነት ብምንጋሱ ንዘይሕጋዊ ኣዛወርቲ ደቂ ሰባት ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ’ሎ።ዝርዝሩ የድምፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:23 0:00

XS
SM
MD
LG