ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብሰንኪ ኲናት ቃዛ ዋሕዲ ገንዘብ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ገሊጹ


ዋና ዳይሬክተር ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኤሚ ፖፕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ዋና ዳይሬክተር ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኤሚ ፖፕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ብሰንኪ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ቃዛ ንዝተመዛበሉ ሰባት ንምሕጋዝ ዋሕዲ ገንዘብ ክገጥሞ ከምዝኽእል ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት (ኣይኦኤም) ኣፍሊጡ፡፡

ናይቲ ትካል ዋና ዳይሬክተር ኤሚ ፖፕ ሎሚ ሰሉስ 10 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፣ ነቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ኲናት ብቐረባ ንክታተሎ ኣለና እቲ ኩነታት በዚ እንተቐጺሉ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ክሞቱን ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉን ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጸን። ንሕና ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም እንምሕፀኖ እቲ ኲናት ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ንክረክብ እዩ ዝበላ ዋና ዳይሬክተር ኤሚ ፖፕ፣ እንተዘይኮይኑ ግን በዚ ኲናት ንፁሃን ሰባት እቲ ዝዓበየ ዋጋ ከምዝኸፍሉ ሓቢረን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም እውን በድርቅን ብውሕጅን ብዙሓት ሰባት ይመዛበሉ ምህላዎም ዝሓበራ እተን ዳይሬክተር፣ ፀገም ኣብ ልዕሊ ፀገም እናተደራረበ ብዝሒ ተመዛበልቲ ብምውሳኹን ብሰንኪ ዋሕዲ በጀትን ንኹሎም እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ዘይምኽኣል ድማ እቲ ዝዓበየ ስግኣት ምዃኑ ገሊፀን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG