ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝሓሸ መሳለጥያ ንስደተኛታት ንምርካብ ኣብ መንጎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ስምምዕ ተፈሪሙ


ብኣዲስ ኣበባ ገይሮም ንምጥያስን ብድልየቶምን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓልፉ ስደተኛታት ዝሓሸ መሳለጥያ ክረኽቡ ንምሕጋዝ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት/IOM/ ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ንምትሕብባር ዝሓለፈ ሰሙን ስምምዕ ተፈራሪሙ።

ካብቶም ናብ ኣፍሪቃ መእተዊ ዝኾኑ ቀንዲ መንገዲታት ኣየር ቦሌ ዓለምለኸ መዓረፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ምዃኑን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ስደተኛታት ንኽጣየሹ ኣብ ዓለምለኸ መጎዓዚያ ብፂሒት ዘለዎን እዩ።

ናይ ኣዲስ ኣበባ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ኣቢሎም ብድልየቶም ንዝምለሱ ስደተኛታት ኣብ 2016 ዓ.ም 6,260 ስደተኛታት፣ኣብ 2017 ዓ.ም ድማ 3,200 ስደተኛታት ክምለሱ ኣሳሊጡ’ሎ።

እቲ ስምምዕ ነቶም ተጣየስቲ ወይ ስደተኛታት ዘድልዮም ሓገዝ ኣበይን ብከመይን ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኩነታት ንምድላው ዘኽእል እዩ።

ኢትዮጵያ ሓንቲ ንኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብዝዓበየ ዘዕቖበት ሃገር እያ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዋናነት ካብ ደቡብ ሱዳን፣ሶማልን ኤርትራን ዝመፁ ልዕሊ 800 ሽሕ ስደተኛታት ኣዕቑባ’ላ።

XS
SM
MD
LG