ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ወ/ሮ ጸጋ ስዩም ወናኒት ኣብ ምምዕባል ደቂ ኣንስትዮ ዝነጥፍ ትካል


ወ/ሮ ጸጋ ስዩም መድህን

ወ/ሮ ጸጋ መድህን ትብሃል።ወ/ሮ ጸጋ ስዩም መድህን ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ቴክኖሎጂን ምህዞን ኣብ ዝነጥፍ IBM ኣብ ዝተባህለ ኩባኒያ ኣብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝሰርሐት፣ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ገዛእ ርእሳ ኣብ ምምዕባል ደቂ ኣንስትዮ ዝነጥፍ ፒረል ሊደርሺፕ ኢንስትዩት (Pearl Leadership Institute ) ኣብ ዝተባህለ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ትሰርሕ ኣላ።እዚ ትካል ብዓውድታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንደቂ ኣንስትዮ ስልጠና ይህብ።

ብተወሳኺ ወ/ሮ ጸጋ ናይ እትነብረሉ ክፍለ ግዝኣት ኖርዝ ካሮሊና ናይ ሕቡራት ሃገራት ቻርተር ደቂ ኣንስትዮ ኣደ መንበር’ያ። በዚ ሓላፊነታ ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ተረኺባ ደቂ ኣንስትዮ ብዓውድታት ሳይንስ፡ቴክኖሎጂን ኣርትን ዘለወን ተሳተፎ ንምሕያል ዝጠመተ መደረ አስሚዓ ኔራ።

ብዛዕባ ናይ ህይወትን ናይ ሞያ ተመክሮኣን ብዝምልከት ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG