ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘’ብምንኣስ ዓቕሚ ከይኮነስ ብፖለቲካዊ ምኽንያት እየ ተላዒለ’’ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዛብሄር


Former Minister of Trade and Industry Fetlewerk Geberegziabher
Former Minister of Trade and Industry Fetlewerk Geberegziabher

ምኽትል ኣዶወንበር ህወሓትን ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ምንስቴር ምንስትሪ ንግድን ኢንዱስተሪን ኢትዮጵያ ዝተልዓላን / ፈትለወርቅ ገብረእግዛብሄር/ሞንጆሪኖ/ ኣብ ቀረባ ካብ ምንስቴርነት ንግድን ኢንዱስቱሪን ኢትዮጵያ ዝተልዓላሉ ምኽንያት ፖለቲካዊ እዩ ኢለን።

ኣቐባሊ ቃል ፕሮስፖርቲ ፓርቲ ኣቶ ኣወሉ ኣብዲ ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ወ/ሮ ፈትለወርቂ ካብ ምንስትርነት ሓደ ካሊእ ድማ ካብ መሪሕነት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝተልዓልሉ ምኽንያት ብስእነት ዓቕሚ፣ኮነ ኢልካ ምጉታት ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብፍጣርን ብሓፈሻ ብፀገማት ኣፈፃፅማ ስራሕቲ እዩ ኢሎም።

/ ፈትለወርቅ ነዚ ክሲ ብትሪ ብምንፃግ ሓለቕአን ብዝኾኑ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ፣ብካብኔትን ብፓርላማን ከምዚ ዝብል ገምጋም ቀሪቡለን ከምዝየፈልጥ ገሊፀን።የግዳስ ብዛዕብአን መሳርሕተንን ተገልጋላይ ህዝቢን ተዝዛረቦ ዝሓሸ እንተኾነ ይመርሕኦ ዝነበራ ምንስቴር ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ብምትእትታው ብኣወንታ ክግምገም ከምዝፀንሐን ሓቢረን።

ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ነታ ሃገር ናብ ሓደገኛ ኩነታት ክመርሕ ከምዝኽእል ዝገለፃ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ህወሓት ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈላለዩ መጥቓዕታት ይፍነው እንተሃለወ እውን ብትዕግስቲ እናሰገሮም ከምፀንሐን ነገራት ናብ ሓደገኛ ኩነታት ቅድሚ ምኻዱ ፌደራል መንግስቲ ነገራት ብትዕግስቲ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ኣለዎ ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:16:20 0:00


XS
SM
MD
LG