ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዳያስፖራ ኣተሓባበርቲ ኮሚቴ ኣባላት ዓረናን ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባርን ኣብ ክልል ትግራይ መግሃስቲ ይፍፀም ኣሎ ይብሉ


‘’ትግራይ ብዓል ዋና ዝስኣነት ደሴት ዓፈና፣ማእሰርትን ፀልማትን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዳያስፖራ ኣባላት ኮሚቴ ኣተሓባባሪ ድጋፍ ዓረና መድረኽን ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባርን ኣብ ክልል ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናብ ቀደማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ደብዳቤ ፅሒፎም ኣለው።

ብዛዕባ እቲ ደብዳበን ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስትን ዝምልከት ምስ ኣባል ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ኣቶ ግርማይ ገዛህኝን ኣባል ዓረና ትግራይ ንልኡላውነትን ዴሞክራስን ኣቶ በላይ ገሰሰን ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG