ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ደራሲን ዋና ተዋናይን ንዝኽሪ አሰቃቂ ጉዕዞ ሰሃራን ሲናይን ዝተዳለወ ፊልም “እውር አሞራ ቀላቢ”


ኣብ ቀረባ ጊዜ “ እውር አሞራ ቀላቢ” ዘርእስቱ ፊልም ኣብ ሲነማታት ካናዳ ንምርኢት ቀሪቡ ኔሩ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኒውዮርክ ዝኻየድ ፌስቲቫል ፊልም ኣፍሪቃ ድማ እዚ ፊልም ዋና አካል’ቲ ፌስቲቫል ኮይኑ ኽቐርብ’ዩ። እቲ ፊልም ኣብ ናይ ውልቂ ታሪክ ደራሲ ተመርኹሱ ዝተሰርሓ ኮይኑ ብዛዕባ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዝረአ ሓደገኛን አሰቃቂን ጉዕዞ ስደት ምድረበዳ ሰሃራን ሲናይ ዝትርኽ’ዩ።

ዘካርያስ ጥበበ ይበሃል። ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዓለም ገጢሞምዋ ካብ ዘለው ዓበይቲ ቀውሲ ዝኾነ ስደት ብዝምልከት “ እውር አሞራ ቀላቢ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ስደት ታሪክ ተመርኩሱ ፊልም ብምስራሕ ንምርኢት ኣቕሪቡ’ሎ።

ዘካርያስ ነዚ ፊልም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪክ ተመርኹሱ ዘዳለዎ እንተኾነ ነቲ ህልው ኩነታት ጉዕዞ ስደት ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ምድረ በዳ ሰሃራን ሲናይ ንምስናድ ናብቲ አሰቃቂን ፈታኒን ኩነታትን ዝሓለፈሉ ቦታታት ተመሊሱ ነዚ ፊልም ምስናዱ ይገልጽ። ዘካርያስ ነዚ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝትረኽ ግን ናይ እንግሊዝ ቋንቋ ትርጉም ዘለዎ ፊልም ንምስናድ ኣብ ትሸዓተ ዓድታት ከምዝተንቀሳቀሰ ይገልጽ።

ንሱ ብተወሳኺ እዚ ፊልም ንካልኦት መንእሰያት ትምህርቲ ክኸውን ነቶም ምስኡ ንነዊሕ መዲቦም ኣብ ዝመደብዎ ከይበጽሑ ዝተረፉ ኩሎም ድማ መዘከርታ ኽከውን ዘዳለዎ ምኳኑ’ውን ይሕብር። ነዚ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምርኡ ዘይሃሰሰ ጉዕዞ ስደት ገና ኣብ ሃገሩ ከሎ ከምዝጀመሮ ብምግላጽ ታሪክ ሂወቱን ናብዚ ጉዕዞ ብኸመይ ከምዝተበገሰን ይገልጽ።

ነቲ ምብትታትን ስድራ ቤት ዘበገሶ ጉዕዞ ስደት ዝጀመረ ዘካርያስ ብርግጽ ከምቲ ዝደልዮ ዝመደቦን ናብቲ ዝደልዮ ቦታ በጺሑ’ዶ? ጉዕዞ ናብታ ዝሓሸ ናብራ ክመርሕ ዝመደበላ ሃገረ እስራኤል ከመይ ኔሩ ንዝብል ዘቕረብኹሉ ሕቶ 11 ዓመታት ንድሕሪት ብምምላስ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዕረፍቲ ዘስአኖ አሰቃዊ ተዘክሮ'ውን ይገልጽ።

ዘካርያስ ንሱ ነዚ ፊልም ሰሪሑ ንምርኢት እንተቕረበ’ኳ በዚ ሓደገኛን አሰቃቂ ጉዕዞ ዝሓልፉ ቁጽሪ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ግን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ምውሳኹ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛትታትን ትካል ስደተኛታት ዓለም ይገልጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዕዞ ስደት ናብ ኣውሮጳ ወይ ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ጠፊኦም ኽኾኑ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ 2015 ዓ.ም 3,771 ምንባሩ ኣብ 2016 ዓ.ም ድማ ናብ 5,096 ክብ ምባሉ ይሕብር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ፊልም ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተፈላለየ ሲነማታት ምር ኣዩን ልዑል ተቐባልነት ምርካቡ ብምሕባር፡ ብተወሳኺ ኣብ ግንቦት 5,2017 ዓ.ም ኣብ ኒውዮርክ ንዝኻየድ ናይ ኣፍሪቃ ፊልም ፌስቲቫል ፊልም ከም ዋና አካል እቲ ፌስቲቫል ኮይኑ ከምዝረአ ከምኡ’ውን ቀጺሉ ኣብ ቴክሳስ ከምዝረአን’ውን ወሲኹ የረድእ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG