ኣስመራ —
ፈለማ ናብ ስነ-ጥበብ ክኣቱ ብወዝቢን ድርኺት ሓለፍቱን ምዃኑ ዝገልጽ ሰሎሞን ድራር፡ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ኣብ በበይኑ ዓውድታት ስነ-ጥበብ ከም ገጣሚ፡ ጸሓፊ ልብ-ወለድ ዛንታ፡ ደራሲ ፊልምን ሰናዲ ታሪኽን ኰይኑ ክሳብ ሎሚ ዝጽሕፍ ዘሎ’ዩ። ደራሲ መጽሓፍ “ኤርትራውያን ኮማንዶ፡ ቅያ 18 ደቓይቕ” ዝዀነ ሰሎሞን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሓለፈ 45 ዓመታት ዝጸሓፎም ግጥምታት ኣኪቡ ኣሕቲሙ ኣሎ። ንዝደሓረ ጥርኑፍ ስራሓት ግጥሚ ምኽንያት ብምግባር እምበኣር ጋሻ ድምጺ ኣመሪካ ኰይኑ ኣሎ።
ቅጥዒ