ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሔ-ጽልሚ፡ ቃለ-መጠይቕ ምስ ተመስገን(ባዚጋር)ን ምስ ሃለቃ ሃይለሚካኤል(ወደ ኣረፋይነን)


ተመስገን ባዚጋር፡ ኣብ`ዚ ኣብ ኸባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ዝነብር፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ዝዕንብብ ዘሎ ስነ-ጥበባዊ`ዩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ምስ ነባር ስነ-ጥበባዊ ተስፋይ ፊሒራ ብምስራሕን፡ ናይ ፊሒራ ደርፍታት ብምድጋምን ዝፍለጥ ባዚጋር፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ውጽኢት ስርሑን ጥበበቡን ዝኾና ልዕሊ ሰለስተ ደርፍታት ንህዝቢ ኣቕሪቡ`ሎ። ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ`ዚ ቕንያት`ዚ ፍሒራ ብመገሻ ናብ`ዚ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝመጻሉ እዋን፡ ብሓባር ዝደረፍዋ “ ፍቕሪ ውለዲ “ እትብል ደርፊ፡ ትኹረት ስሒባ`ላ። ንተመስገን(ባዚጋር) ናብ ስትድዮ ድምጺ ኣመሪካ ዓዲምናዮ ኔርና።

ካልእ ጋሻ ቂሔ-ጽልሚ፡ ሃለቃ ሃይለሚካኤል ኣረፋይነ ይብሃል፡ ኣውሎን ማሰን ብምባልን ክቡር ባህሊ ትግርኛ ብምዕባይን ናብራይ ይመርሕ ይብል ወዲ-ኣረፋይነ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቂሔ-ጽልሚ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይኸኣል።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG