ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድምፃዊ ይስሃቅ ኪዳነማርያም ግዳያት ፊስቱላ ንምሕጋዝ ዝወፈረ መንእሰይ


ኢትዮጵያዊ ድምፃዊ ይስሃቅ ኪዳነማርያም ዘሰናደኣ ፈላመይቲ "ፍናን" ዘርእስታ ናይ ሙዚቃ ኣልበሙ ምሉእ ኣታዊኡ ንሓገዝ ግዳያት ፊስቱላ ኣውዒሉዎ ኣሎ።

ኣብ ከተማ መቐለ ተወለዱ ዝዓበየ ይስሃቅ ኣብ ሰርከስ ትግራይ ብሞያ ሙዚቃ ሰልጢኑ ኣብ ዝተፈላለያ ውዳበታት ኪነት ብምስታፍ ኣብ ምስራሕ ዝፀነሐ መንእሰይ እዩ። እዛ ፈላመይቲ ናይ ሙዚቃ ኣልበሙ ብርክት ዝበሉ ክኢላታት ሙዚቃ ንኣርብዓተ ዓመታት ዝተሳተፉላን ብፍላይ ይስሃቅ ቅድሚኡ ኣትሒዙ ነዊሕ ዝደኸመላን ምዃኑ ተገሊፁ'ሎ።

ይስሃቅ ሰባት ንምሕጋዝ ወትሩ ይሓልም ከምዝነበረን ሕልሙ ንምግሃድ ድማ ኣብቲ ጠመተ ብዙሓት ዘይረኸበ ፊስቱላ ወፊሩ ኣደታትን ኣሓትን ንምሕጋዝ ከምዝወሰነ ምስ ድምፂ ሬድዮ ኣመሪካ (VOA) ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ ገሊፁ'ሎ።

" ኣብዚ ሐዚ እዋን እታ ናይ ሙዚቃ ኣልበም ብዝሐሸ መልክዑ ናብ ህዝቢ ትባፃሕ 'ላ፤ ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ እቲ ዋኒን ኩላትና ንድግፎ ዋኒን እዩ ብምባል ፅቡቕ የተባብዑኒ ኣለዉ" ኢሉ ድምፃዊ ይስሃቅ።

ምስ ድምጻዊ ይስሃቅ ኪዳነማርያም ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ድምፃዊ ይስሃቅ ኪዳነማርያም ግዳያት ፊስቱላ ንምሕጋዝ ዝወፈረ መንእሰይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:58 0:00

XS
SM
MD
LG