ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ውግእ ጸረ ዳዕሽ ኣሜሪካ ገንዘብ ሓጸርን ዝደንጎየትን’ያ ኢሎም ሴነተር ቦብ ኮርከር


ኣሜሪካ ኣንጻር ዳዕሽ ተካይዶ ዘላ ውግእ ዝደንጎየን ገንዘብ ሓጸርን’ዩ ኢሎም ኣቦ መንበር ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ሴነት ኣሜሪካ ሴነተር ቦብ ኮርከር

ንሶም እዚ ዝገለጹ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ኮይኑ ኣብ ጉዳያት ማሕበረ-ሰባት ዓለም ንጉዳይ ፕሮግራም ኢራን፣ ግጭት ሶርያ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ዳዕሽን ካልኦት ምንጭታት ቅልውላዋት ዝሓዘሉ ኣገባብን ሳዕቤኖምን ኣልዒሎም ኣለው።

ናይ ሶርያ ፕረዚደንት ኣሳድ ብፈቃዶም ስልጣኖም ዘረክቡ’ዶ ይመስሎም? ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ ቦብ ኮርከር ”ኣብ ዓውዲ ኹናት ይዕወት’ዩ ዘሎ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘንበረሉ እገዳታት ኣይሰርሐን፣ ሩስያ ጣልቃ ትኣትው ኣላ፣ ስለዚ ዘገድዶ ኩነታት ኣይተፈጠረን” ኢሎም።

ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ሴነት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝሓለፈ ሰሙን እገዳ ኣንቢሩ’ሎ።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ‘ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተነበረ እገዳ ይሰርሕ የለን በሃላይ ድዮም? ንዝብል ሕቶ’ውን ‘እናረአኻዮ?’ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ውግእ ጸረ ዳዕሽ ኣሜሪካ ገንዘብ ሓጸርን ዝደንጎየትን’ያ ኢሎም ሴነተር ቦብ ክሮከር
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:47 0:00

XS
SM
MD
LG