ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ካናዳዊ ኣትሌት ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ኦሎምፒክ 2018 ከምዝሳተፍ ሓቢሩ


ካናዳዊ ኣትሌት ሻነን አበድ
ካናዳዊ ኣትሌት ሻነን አበድ

ካናዳዊ ኣትሌት ሻነን አበድ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ የካቲት ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝኻየድ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክስ 2018 ብናይ በረድ ምንሽርታት ውድድር ንኤርትራ ወኪሉ ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ።

ሻነን ካብ ወዲ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ናይ በረድ ምንሽርታት ስፖርት ክነጥፍ ከምዝጀመረን ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ጀሚሩ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ክሳተፍ ከምዝጸንሓ ይሕብር።

ሻነን ኣብዚ ናይ 2018 ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪሉ ንምስታፍ እንታይ ከምዘበገሶ ከምዚ ክብል ይገልጽ።

“ኣብ 2011 ዓ.ም ኣብ ኢንስበርክ ኦስትርያ ናይ ትሕተ ዕድመ ውድድር ከምዘሎ ምስ ፈልጥኹ ናብቲ ውድድር ንምስታፍ ወሲነ እንተኾነ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረኒ ነጥቢ ንካናዳ ወኪለ ክወዳደር ኣየኽኣለንን። ስለዚ ንምንታይ ንኤርትራ ወኪለ ኣይወዳደርን ኢለ ሓሳበይ ንአቦይ ምስ አካፈልኽዎ ንሱ ድማ ብመንገዲ ኣብ ካናዳ ዘሎ ናይ ኤርትራዊያን ኮሚኒቲ ምስ ናይ ኤርትራ ኦሎምፒክ ኮሚቴ ተራኺቡ ዘድልይ መስርሕ ብምፍጻም ኣብቲ ውድድር ክሳተፍ ክኢለ።”

ካናዳዊ ኣትሌት ሻነን አበድ
ካናዳዊ ኣትሌት ሻነን አበድ

ሻነን ድሕሪ ናይ 2011 ዓ.ም ተመክርኡ ኣብዚ ናይ 2018 ኦሎምፒክ ብዝያዳ ቅሩብነት ተዳልዩ ከምዘሎ ብምሕባር ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝኻየድ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክስን ዝወዳደረሉ መድረኻትን ብዝምልከት ድማ ከምዚ ኢሉ።

“ ኣብዚ ናይ 2018 ውድድር ንኤርትራ ወኪለ ኣብ ክልተ መድረኻት ስኪንግ ወይ ናይ በረድ ምንሽርታት ውድድር ክሳተፍ እየ።እቲ ሓደ ብቅልጡፍ ነቲ ዝተዋህበኻ ርሕቀት ምሽፋን ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ብቅልጡፍ ብዓንድታት ብምሕላፍ ኣብ መዛዘሚ ምብጻሕ እዩ ።”

ኤርትራ ኣብ ዓለምለኸ ውድድራት ብብሽክለታን ጉያን እያ ትፍለጥ፡ ንስኻ በዚ ስኪኢንግ ወይ ናይ በረድ ምንሽርታት ዓይነት ስፖርት ክትወዳደር ናይ መጀመርያ ኢኻ ኣብቲ ዓለምለኸ መድረኽ እንታይ ግብረ መልሲ ረኪብኻ ንዝብለ ሕቶ ሻነን ኣነ ናብዚ ናይ 2018 ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪላ ክሳተፍ ዝወሰንኹ ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮጳን ዝነብሩ መንእሰያት ኣብዚ ዓይነት ስፖርት ዝነጥፉ ንምትብባዕ እዩ ኢሉ።

ሻነን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣልበርታ ተማሃራይ ካልኣይ ዓመት ኣብ ዓውዲ ኮምፒተር ሳይንስ’ውን እዩ።ብዩኒቨርሲቲ ደረጃ እንዳተመሃርኻ ኣብ ከም ኦሎምፒክ ዝዓመሰሉ ዓበይቲ ውድድራት ንምስታፍ ሓደ ነቲ ሓደ ኣይዕብልሎም’ዶ ወይ ጸገም ኣይፈጥረልኻን’ዶ ንዝብል ሕቶ ድማ ሻነን እቲ ቀንዲን አገዳሲን ንግዜኻ ብግቡእ ምጥቃም’ዩ ድሕሪ ምባል ከምዚ ይብል።

“ብርግጽ ኣጸጋሚ’ዩ ግን ኸአ ጊዜኻ ብግቡእ ብምምዳብ ኹሉ ዝኸአል ነገር እዩ። ኣነ ሕጂ ዝበዝሓ ጊዜ ኣብ እዋን ሓጋይ ስለዝኾነ ውድድራተይ ንዝበዝሓ ክፋል ናይቲ ዓመት ትምህርተይ ኣብቲ ካልእ ጊዜ ብምዝዛም ኣብ ሓጋይ ድማ ንልምምድን ውድድራተይ ጊዜ ብምሃብ ይሰርሕ።ብርግጽ ብብዙሕ ነገራት ትወሓጠሉ ጊዜ ኣሎ ግን ኸአ ይኸአል’ዩ።”

ምስ ሻነን ወለዱን ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ካናዳዊ ኣትሌት ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ኦሎምፒክ 2018 ከምዝሳተፍ ሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:42 0:00

XS
SM
MD
LG