ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንብድሆታት ናይ አካል ጉድኣት ገጢማ ንካልኦት ክትሕግዝ ትቃለስ መንእሰይ


ሜሮን ተስፋዬ ትበሃል። ጓል 21 ዓመት መንእሰይ ኮይና ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ክፍሊ እስፔሻል ኒድስ ወይ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ዘኽእል ትምህርቲ ተማሃሪት ሳልሳይ ዓመት እያ።

ሜሮን ኣቐዲማ ኣብዚ ዓውዲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ከም አማኻሪት ኮይና ዝሰርሓት ኮይና ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ንዓይነ ስውራት ኣብ ኣብያተ መግቢ ዝገልገልሉ መምረጺ መግቢ (ሜኑ) ብብሬይል ብምጽሓፍ ፍሉይ ስራሕ ዝሰርሓት ኣብነታዊ መንእሰይ እያ።

ሜሮን ናብዚ ምህዞ ክትአትው እንታይ ደፋፊእዋ ብጠቕላላ ኣብቲ ትመሃሮ ዘላ ዓውዲ ክትመርጽ’ኸ እንታይ ደሪኽዋ ዝብል ዘቕረብኹላ ሕቶ ንድሕሪ ተመሊሳ ድሕረ ባይትኣ ብምግላጽ ትጅምር።

ኣብ ኤርትራ ከተማ ባጽዕ ዝተወለደት ክትኸውን ከላ ኣብ እዋን ወሊድ ብዘጋጠመ ጸገም ኣብ መሓውራ ቁሩብ ከምዝተጎድኣት ኣፋ’ውን ክትዛረብ ከላ ቁሩብ ከምዝሕዛ ትገልጽ።

ጓል ሓደ ዓመት ምስ ኮነት ናብ አባያ ናብ ኣኽሱም ብምኻድ ምስ ኣባያ ዝዓበየት ኽትኸውን ከላ ዘጋጠማ ናይ አካል ጉድኣት ከየጸገማ ብትምህርታ ዝለዓለ ደረጃ ብምምጻእ ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ምቅጻላ ትገልጽ። እንተኾነ ግን ድሕሪ ዓስራይ ክፍሊ ምብጽሓ ኣብ ቤት ትምህርታ ኮነ ኣብ ካልእ መዓልታዊ ንጥፈታታ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ክገጥማ ከምዝጀመረ ትገልጽ።

ሜሮን ኣብ ኦሜጋ ኮሌጅ ብዓውዲ ፋርማሲ ከተጽንዕ ዝወጠነቶ መደብ ብሰንኪ ዘለዋ ናይ አካል ጉድኣት ክትመሃር ከምዘይትኽእል ምስ ተነገራ ኣብ ዝተፈላለየ አብያተ ጽሕፈት ብምካድ ጉዳያ ከተረድእ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ መጋቢት ምሕላፉ ትገልጽ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝቅጽል ዓመት ናብ ኣብ ዓድዋ ዘሎ ኮሌጅ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ኣካውንቲንክ ክትመሃር ከምዝተመዝገበት ድሒራ ግን ናብ ዓውዲ ስፔሻል ኒድስ ብምቅያር ክትመሃር ከምዝጀመረት ተረድእ።

ኣብ ከባቢ ኣክሱም ንኣስታት ሓደ ዓመት ከም አማኻሪት ዝሰርሓት ሜሮን ካብ ናይ ዓድዋ ኮሌጅ ምስ ተመረቐት አዲስ አበባ ከይደ ብዲግሪ ትምህርተይ ክቕጽል አለኒ ብዝብል ተበግሶ ጉዕዞኣ ናብ አዲስ አበባ ከምዘምረሓት ትገልጽ።ሜሮን ብሓቦ ናብ አዲስ አበባ ክትኸይድ እንተወሰነት ካብ ቤተሰባ ጀሚሩ ግን ንመደባ ዝደገፈ ከምዘይነበረ ትሕብር።እንተኾነ ግን ንኩሉ ብድሆታት ገጢማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ተማሃሪት ሳልሳይ ዓመት ክፍሊ ሶፔሻል ኒድስ አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ክትኸውን በቒዓ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሜሮን ንዓይነ ስውራት ኣብ ኣብያተ መግቢ ዝምገብሉ ብብሬይል ዝተጻሕፈ መምረጺ መግቢ ወይ ሜዩ ከምዘዳለወት ትሕብር።

ሜሮን ብዛዕባ ምህዞኣን መጻኢ መደባታን’ውን ተረድእ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ንብድሆታት ናይ አካል ጉድኣት ገጢማ ንካልኦት ክትሕግዝ ትቃለስ መንእሰይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:54 0:00

XS
SM
MD
LG