ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ መንእሰይ ሜሮን ሰመዳር(2ይ ክፋል)


ቃለ መጠይቕ ምስ መንእሰይ ሜሮን ሰመዳር (2ይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:15:37 0:00

ቃለ መጠይቕ ምስ መንእሰይ ሜሮን ሰመዳር (2ይ ክፋል)

ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ሎሚ ሰነ 20,2016 ዓ.ም ኣብ መላእ ዓለም ተዘኺሩ ይውዕል። ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 65 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ኣለው፡ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 22 ሚልዮን ሰባት ስደተኛታት እዮም።

ስደተኛታት ብብዝሒ ካብ ዝመጹለን ቀዳሞት ሰለስተ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፡ኣፍጋኒስታንን ሶርያን እየን።

ኤርትራዊ መንእሰይ ሜሮን ሰመዳር ኣብ ዝተፈላለየ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝምልከት ንጥፈታት ዝሳተፍ መንእሰይ’ዩ።ገለ ካብዚ ንጥፈታት ኣብ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ማሕበር ስደተኛታት ተማሃሮ ከምኡ’ውን ኣብ ምሕጋዝ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባ ተማሃሮ ኣብ ከተማ ሳን ፍራንሲስኮ ዝነጥፍ ኮይኑ ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ በበይኑ እዋናት ተረኺቡ ጽሑፋትን መደረን ዘስመዓ መንእሰይ’ዩ።

ሜሮን ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኮይኑ ቀዳማይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ብሲቪል ኢንጂነሪንግ ካብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመሪቑ ድሕረ ምረቓ ትምህርቱ ድማ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳን ፍራንሲስኮ ብዓለምለኸ መጽናዕቲ ተመሪቑ።

ቀዳማይ ክፋል'ቲ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቃለ መጠይቕ ምስ መንእሰይ ሜሮን ሰመዳር
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:51 0:00

XS
SM
MD
LG