ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ተዓዋቲ ክልተ ማራቶን ኣትሌት መብ ክፍለዝጊ


ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣትሌት መብራህቶም ክፍለዝጊ
ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣትሌት መብራህቶም ክፍለዝጊ

ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣትሌት መብራህቶም ክፍለዝጊ፡ ድሕሪ ናይ 26 ግዜ ማራቶን፡ 5 ሕዳር,2017 ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኒው ዮርክ ንመወዳእታ ግዜ ብምውድዳር ጉዕዝኡ ዛዚሙ`ሎ።

ኣትሌት መብ ክፍለዝጊ ናይ 2004 ውድድር ኦሎምፒክ ተሸላሚ ብሩር፡ ኣብ 2012 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓጋይ ውድድር ኦሎምፒክ ራብዓይ ደረጃ ዝረኸበ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ 2009 ዓ.ም ናይ ኒው ዮርክ ማራቶን ኣብ 2014 ዓ.ም ቦስቶን ማራቶን ድማ ቀዳማይ ብምኳን ዝተዓወተ ኣትሌት እዩ።

ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣትሌት መብራህቶም ክፍለዝጊ ኣብ ናይ መወዳእታ ውድድር ማራቶን
ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣትሌት መብራህቶም ክፍለዝጊ ኣብ ናይ መወዳእታ ውድድር ማራቶን

መብ ክፍለዝጊ ኣብ ናይ 2014 ዓ.ም ቦስቶን ማራቶን ድሕሪ 1983/84 ኣብ ውድድር ማራቶን ንመጀመርያ ጊዜ ዝተዓወተ ኣሜሪካዊ እዩ።

ኣትሌት መብራህቶም ክፍለዝጊ ኣብ 1975 ዓ.ም ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ 1987 ዓ.ም ናብ ኣሜሪካ ምምጽኡ ይፍለጥ።

መብ ክፍለዝጊ፡ ዝተረፈ ዕድሚኡ፡ ንመንእሰያት ኣብ ምስልጣንን፡ ኣብ`ታ ናይ ትውልዲ ዓዱ ዝኾነት ኤርትራ ድማ ንስፖርተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ከምዘሕልፎ ገሊጹ`ሎ።

ምስ ኣትሌት መብ ክፍለዝጊ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቅ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቃለ መጠይቅ ምስ ተዓዋቲ ክልተ ማራቶን ኣትሌት መብ ክፍለዝጊ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:04 0:00

XS
SM
MD
LG