ዋሽንግተን —
ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናይ ለውጢ ተበግሶ ወይ እማመ ዝበልዎ ዛዕባታት ሒዞም ክልተ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኤርትራ ዝነጥፉ ምኩራት ኤርትራዊያን ካብ ኣውሮጳ ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ዑደት ብምክያድ ንኤርትራዊያን ነበርቲ እዘን ሃገራት ሰሚናራት ከካይዱ ቀንዮም።
አቶ ክብሮም ዳፍላ ካብ ሆላንድ፡ አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣቶ መንግስትአብ ኣስመሮም ኸአ ካብ ጀርመን እዮም።
ብዛዕባ ድሕረ ባይትኦም፡ ዑደቶምን ካልኦት ነጥብታትን ብዝምልከት ዘካየድዎ ምሉእ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።