ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀሺ ገረገርግስ ገ/ማርያም ንመሪሕነት ህወሓት ኣብሊሖም ይነቅፉን ይሓቱን


ካብ 1968 ዓ.ም ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ምስ ህወሓት ዝተሰለፉ፣ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ጀሚሮም ኣብ ዝተሳለጡ ኩሎም ጉባኤታት ኣይተፈለዩን ቀሺ ገረገርግስ ገ/ማርያም።

‘ኣብ ትግራይ ሎሚ ቀንዲ ፀገም ኮይኑ ዘሎ ስእነት ሰናይ ምሕደራ’ዩ፣ ህዝቢ ትግራይ ደቁ ከፊሉ ዘረጋገፆ ፍትሒ ብገንዘብ ክዕድጎ ኣይግባእን’ ይብሉ ንሶም።

ተወላዳይ ጭላ፣ዓዲ ኣንከረ፣ ኣኽሱም ዝኾኑ ቀሺ ገረገርግስ ገ/ማርያም ነባር ኣባል ህወሓትን ኣማሓዳሪ ጭላን ከባቢኣን ዝነበሩ’ውን’ዮም።

ካብ 2ይ ጉባኤ ጀሚሩ ክሳብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ መቀለ ዝተዳለወ ኮንፈረንስ ህወሓት’ውን ተሳቲፎም። ኣብ ኮንፈረንሳት ብዘስምዕዎ ነቃፊ ሪኢቶ’ውን ይፍለጡ።

ንመራሕቲ ‘ትፅዪቁ ኣለኹም’ እንተበልና ካብ ስልጣን ክንወርድ ኢና፣ ካብ ስራሕና’ውን ክንባረር ኢና’ ኢሎም ዝፈርሑ ኣባላት ኣመራርሓ’ውን ኢና ንሪኢ ዘለና ይብሉ ንሶም።

ህወሓት ትትግብሮ ዘላ ሕቶ ምትኽኻእ፣ ከምኡውን ስለምንታይ ደፊሮም ክነቅፉን ክሓቱን ከምዝመረፁን ኣተዓባብየኦምን’ውን ንክገልፁ ሓቲትናዮም ኣለና። ስልኪ ክድወለሎም ከሎ መስዩ ስለዝነበረ፣ ካብ ዝደቀሱሉ ቦታ ጭላ ዓዲ ኣንከረ ኮይኖም’ዮም ኣዘራሪቦምና።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ ምስ ቐሺ ገረገርግስ ገ/ማርያም አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ቃለ-መጠይቅ ምስ ቀሺ ገረየርግስ ገ/ማርያም
please wait

No media source currently available

0:00 0:22:42 0:00

XS
SM
MD
LG