ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ዴሞክራሲያዊ ኪዳን ምስ ቪኦኤ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቅ


አቶ ጀማል ሳልሕ
አቶ ጀማል ሳልሕ

ኣቶ ጀማል ሳልሕ ‘ኪዳን ዝምራሓሉ ቻርተር ከም መደብ ዕዮ ኢና ንወስዶ፣ ትሻዓቲኦም ኣባላት ኪዳን በዚ ቻርተር’ዮም ዝግዝኡ። እቲ ኣጓኒፉና ዘሎ ፀገም፣ ኣብ ደምበ ተቃወምቲ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ካልኣዊን ዘይሃናፂን ውድድራት ንቅድሚት እናምፃእካ፣ ውድባዊን ውልቃዊን ረብሓታት ኣቀዲምካ፣ንሃገራዊ ዋኒን ዘይምቅዳምን ቀዳምነታት ናይ’ቲ ቃልሲ ዘይምስራዕን’ዩ’ ይብል።

ኢትዮጵያ ንደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ብእኹል ትሕግዝ’ያ ዝብል እምነት የብለይን ዝበለ ኣቶ ጀማል፣ኣብ መደርኡ፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስደተኛ ኤርትራዊያን ዝልግሰሎም ሓገዝ ኣመስጊኑ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ዝተነበረ እገዳ ንክተርር’ውን ፀዊዑ’ዩ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ‘ንስርዓት ህግደፍ ዝንፅል፣ንቁጠባዊ ምንጪ ህግደፍ ዘድርቅን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንቅድሚት ዝደፍእን’ዩ’ ኢሉ’ውን ይገልፆ።

ቃለ-መጠይቕ ምስ አቶ ጀማል ሳልሕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:42 0:00

XS
SM
MD
LG