ዋሽንግተን —
ኣብ ዩኒቨስቲ ደቪስ ዝምህር ፕሮፈሰር ኤርሚያስ ክብርኣብ ኣብ ምርምር ምርባሕ ከብቲ ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ’ዩ። ከብቲ ብመንገዲ መጕስዐን ዝተፍአኦ ሚትየን ዝተባህለ ጋዝ፡ ንኣከባቢ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ዝሕብር ፕሮፈሰር ኤርሚያስ፡ እቲ ፍታሕ ከብቲ ኣጕዲልካ ምህርተን ምዕባይ ምዃኑ ይዛረብ። ኣብቲ ዝምህረሉ ዩኒቨርስቲ ኣብ ክፍሊ ኢንዳውድ ቸይር --ኣብቲ ዓውዲ ብሉጽ ምርምራዊ ስራሓት ንዝግበሩ ዝወሃብ ክብሪ--ዝተዋህቦ ፕሮፈሰር ኤርሚያስ ምስ ዝተፈላለየ ፕሮጀክት ሕቡራት ሃገራት ዝተኣሳሰረ ሓያሎ ናይ ፈተና መደባት ኣብ ኣፍሪቃ (እንኮላይ ኢትዮጵያ)ን ምዕራብ ኤስያን ኣለዎ። ንውልቃዊ ተመኵሮኡን መደባቱን ኣመልኪትና ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
ቅጥዒ