ዋሽንግተን —
ኣብ’ዚ ቀረባ ናብ ንባብ ዝቀረበ መጽናዕቲ ተመራመርቲ "ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝጸምሐ ኲናት ክልል ትግራይ፣ ንዘበናት ኣብ’ቲ ከባቢ ዝተካየደ ወፍሪ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ዝተመዝገበ ኣዎንታዊ ክንክን ከባቢን ናብ ባዶ ኣውሪድዎ'ዩ" ይብል። ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሓ ዶ/ር ኣስቴር ገብረክርስቶስ ኣብ ሳይንሳዊ ምርምር ዝነጥፋን አብ'ዚ እዋን'ዚ ኣብ ቤተ ፈተነ (ላብራቶሪ) ዴንድሮክሮኖሎጂ ዝሰርሓ፣ ኣብ ናይሮቢ ዘሎ ዓለምለኸ መጽናዕቲ ኣግራብ (አግሮፎረስትሪ) ዝነጥፋ፣ ምስ አብ ሃገረ ጀርመን ዝርከብ ዩኒቨርስቲ'ውን ብቀረባ ዝሰርሓ እየን።
መብዛሕትኡ ስርሓን ዘተኮረ ኣብ ዱርን፣ ኩነተኣየርን ከባቢን፣ ሕውየት መሬትን ዝኣምሰሉን እዩ። ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻዊ ሽልማታት'ውን ተቀቢለን እየን።