ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ  ካብ ዝአተወትሉ ጸገም ንምውጻእ ኢህወዴግ ተወሳኺ ናይ ፖለቲካ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ ክብሉ ዶ/ር መረራ ጉዲና ኣዘኻኺሮም


ዶ/ር መረራ ጉዲና
ዶ/ር መረራ ጉዲና

ኢትዮጵያ ካብ ዝአተወትሉ ጸገም ንምውጻእ ኢህወ ዴግ ተወሳኺ ናይ ፖለቲካ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ ክብሉ ዶ/ር መረራ ጉዲና ኣዘኻኺሮም።

ንሶም ኣብዛ ሃገር ፖለቲካዊ ውሳኔ ዘድልዮሉ ካብዚ ሕጂ እዋን ንላዕሊ ዘሻቅል ጊዜ የለን ኢሎም።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ብቅድሚ ትማሊ ዝተፈትሑ ዶ/ር መረራ ጉዲና ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ‘ታ ሃገር ዝመጹ ደገፍቶም: ቤተሰብን ፈተውቲን ገዝኦም ተጻቢቡ ከምዘሎ ሎሚ ናብ ገዝኦም ብምኻድ ዘዘራረቦም ጋዜጠኛ ድምጺ ኣሜሪካ ይገልጽ።

“ናትና’ውን መራሕትናን አባላትን ሓዊሱ ከምትፈልጥዎ በዓል በቀለ ገርባ:ደጀኔ ጣፌ: አዲሱ ጉላላ: ጉርመሳ አያኖ ድሕሪት ተሪፎም ኣለው። ብዙሓት አባላትና’ውን ተሪፎም ኣለው። ናይ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት’ውን ቡዙሕ ዓመታት ዝተሳቀዩ አባላት ኣለው። ናይ ኦነግ አባላትልዕሊ 10 ዓመታት ዝተአሰሩ ኣለ: አባላት ሓድነት ኣለው። ብዙሓት አባላት ፖለቲካዊ ውድባት ተአሲሮም’ ዮም ዘለው ሃገራዊ ምርድዳእ እንተተባሂሉ መቸም ንኩሉ’ዩ።”

ኣብ ገዛ ዶ/ር መረራ ጉዲና ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ሓደ ሓደ አጋይሽ ‘ውን ኢህወ ዴግ እሱራት ንምፍታሕ ዝተዛረቦ ክትግብሮን ኣብታ ሃገር ሰላም ከምጽእ ጻዊዒቶም ኣቕሪቦም።

XS
SM
MD
LG