ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብራስልስ ኣብ ውሽጢ ከቢድ ሓለዋ ወዲቃ ትርከብ


ርእሰ ከተማ ቤልጅም ብራስልስ ንዝሓለፉ መዓልታት ብሕልፊ መጓዓዝያ ውሽጢ መሬት ተዓጽዩ ከምዝቀነየ ተገሊጹ። ናይ’ታ ከተማ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ገለ ኣብያተ ጽሕፈት፣ ስፍራ ዕዳጋታት፣ ህዝባዊ ኣኼባታትን መዘናግዒታትን’ውን ተዓጽዮም ኣለው።

እታ ከተማ ናብ’ዚ ኩነት’ዚ ኣትያ ዘላ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ፓሪስ መጥቃዕቲ ግብረ ሸበራ ዝፈጸሙ ናብ ብራስልስ ሃዲሙ ተሓቢኡ’ሎ ብዝብል ሪፖርት'ዩ።

ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ቤልጅየም ኩነታት ጸጥታ ገምጊሙ እቶም ተዓጽዮም ዘለው ትካልትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ማእከላት ትምህርቲን ንክኽፈቱ ክፈቅድ እንተኾይኑ ክዘራረበሉ መደብ ኣሎ።

ካብ ቤልጅየም ተበጊሶም ኣብ ፓሪስ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰለስተ ሰባት እቶም ክልተ ተቀቲሎም’ዮም። ብሰንኪ’ቲ መጥቃዕቲ ናይ ፓሪስ ኣስታት 130 ሰባት ሞይቶም ብርክት ዝበሉ ከምዝቆሰሉ ዝዝከር’ዩ።

ነዚ ሕልዊ ኩነታት ከተማ ብራስልስ ብዝምልከት አብታ ከተማ ንነዊሕ ጊዜ ዝነበረ አቶ መስፈን ፍትዊ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ብራስልስ ኣብ ውሽጢ ከቢድ ሓለዋ ወዲቃ ትርከብ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:24 0:00

XS
SM
MD
LG