ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሔ-ጽልሚ፡- ቃለ-መጠይቕ ምስ ጸሓፊ ቀዳመይቲ መዝገበ-ቓላት ትግርኛ - ዓረብ ከምኡ`ውን ምስ ነባር ኣሰልጣኒ ማርሽ ባንድ አቶ ነጋሽ ገብረስላሰ


Kaleidoscope
Kaleidoscope

ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ቀዳመይቲ መዝገበ-ቓላት ትግርኛ-ዓረብ ተሓቲማ`ላ። ጸሓፊ`ታ መዝገበ-ቓላት ኢንጅነር ሃብተስላሰ ገብረትንሳኤ አብ መደብ ቂሔ-ጽልሚ ቪኦኤ ቀሪቡ`ሎ።

አቶ ነጋሽ ገብረስላሴ
አቶ ነጋሽ ገብረስላሴ

ብተወሳኺ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ክሊ-ትግራይ ግርማይ ገብሩ ምስ ማስተር ቺፍ ነጋሽ ገብረስላሴ ኣዕሊሉ`ሎ። ንሶም ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ 1940 ዓ.ም ኣትሒዞም ኣሰልጣኒ ጥበብ ማርሽ ባንድ ብምዃን በቲ ጥበብ ብዙሓት ሰባት ዘፍረዩ ወላዲ እዮም።

ኣብ ትግራይ ብሓልዬት ማሕበር ልምዓት ትግራይን ሰርከስ ትግራይን ንዝተጣየሰ ማርሽ ባንድ ትግራይ፡ መስራቲኡ ማስተር ቺፍ ነጋሽ ገብረስላሴ እዮም።

ኣብ ከተማ መቐለ ብአኦም ዝሰልጠኑ መንእሰያት ዝሓለፈ ሰንበት ናብ መንበሪ ገዝኦም ብምዃድ መበል 82 ዓመተ ልደቶም ኣኽቢሮምሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ንክልቲኡ መደባት ዝሓቖፈ ክልተ-ሰሙናዊ መደብ ቂሔ -ጽልሚ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG