ኣስመራ —
ካሕሳይ ገ/ሂወት ሓደ ካብቶም ኣብ ትልሂት ብሄራት ኤርትራ ዝነጥፍ ስነ-ጥበበኛ እዩ። ነቲ ኣብ 1979 ኣብ ናይ ቃልሲ ሜዳ ዝጀመሮ ስነ-ጥበበዊ ስራሕ፡ ቀጺሉ ከም ዳይረክተር ሃገራዊት ጉጅለ ባህሊ ስብሪት ኰይኑ፡ ኣብ ምእላይ፡ ምውሳእን ምቕያስ ትልሂታትን’ውን ብዙሕ ኣበርኪቱ’ዩ።
ካሕሳይ ገጣማይ’ውን ብምዃኑ፡ ዛጊት ልዕሊ 200 ግጥምታትን ዜማታትን ብቋንቋ ትግረ፡ ልዕሊ 30 ድራማዊ ሙዚቃን ናይ ትልሂት ድራማን’ውን ደሪሱ’ዩ። ካሕሳይ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንልዕሊ 35 ዓመታት ኣብ ያታዊ ትልሂት ብሄራት ኤርትራ መጽናዕቲ ብምክያድ 240 ትልሂታት ዝሓቖፈት መወከሲ መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ኣብ ምቅርራብ ከም ዝርከብ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ’ሎ።
ቅጥዒ