ዋሽንግተን —
ስነ ጥበባዊ ግርማይ ዓንዶም ብዝክተሎ ፍሉይ ቅዲ ሙዚቃ ጥራይ ዘይኮነ ብፍሉይ ቅዲ ሳዕስዒትን’ውን ይፍለጥ። ንዝሓለፈ ትሸዓተ ዓመታት ናፍሮ ካረቢያን ሳዕስዒት ከም መምህር ኮይኑ ከምዝሰርሓሉ’ውን ይገልጽ። ብተወሳኺ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝነብረሉ ሃገረ ሱዳን ምስ ዝርኸቡ ስነጥበባዊያን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ይሳተፍ።
ስነ ጥበባዊ ግርማይ ንቅዲ ሙዚቃ ትግርኛ ወይ ነቲ ብጓይላ ዝፍለጥ ቅዲ’ውን መሰረታዊ ዝኾነ አሰራሮኣ ሙዚቃ ክህልዎን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ተሓጺሩ ከይተርፍ ዓለምለኸ ተቐባልነት ዘለዎ ሙዚቃ ንምግባር ለውጥታት ብምትእትታው ሓድሽ ሙዚቃታት የዳልው ከምዘሎ’ውን ይሕብር።
ምስ ስነ ጥበብኛ ግርማይ ዓንዶም ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ካልኣይ ክፋል ኣርእስታት የተኹር።
ምሉእ ትህዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።