ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሐ ጽልሚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ካብ ዝፈርዩ ዘለዉ ፍሉጣት ደርፍታት ንመብዛሕቲኦም ግጥሚ ዝሃበ ዳዊት ሰሎሞን


ስነ ጥበበኛ ዳዊት ሰለሙን

ዳዊት ሰሎሞን ናይ ግጥሚ ክእለቱ ካብ ንእስነቱ ካብ ዝነበሮ ናይ ምንባብ ድልየት ከምዝብገስ ይገልጽ። ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ናይቶም ቀንዲ ዝብሃሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈርዩ ናይ ትግርኛ ደፍርታት ገጣማይ ባዕሉ`ዩ።

እዚ በዓል-ቤት ጥዕምቲ-ቃና ማህሌት ገብረገርግስ ዝኾነ ስነ-ጥበባዊ፡ ከም በዓል ሓበነይ፡ ኮኸብ ሰማይ፡ ሓመልማሎ፡ ሑሉበይ፡ ይምሕለሉ፡ ሓኔታይን ካልኦት ፍሉጣት ደርፋታትን ዝገጠመ`ዩ።

ካልእ ኣብ ናይ ሎሚ መደብ-ቂሐ ጽልሚ፡ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ትሕከም ዘላ ኤርትራዊት ስነጥበባዊት ኤልሳ እስቲፋኖስ ብስነ-ጥበባውያን ዝተዳለወላ ናይ ሓገዝ ምሸት`ውን ተዛሪብና`ለና።

ምሉእ ትሕዝቶ ቂሔ ጽልሚ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:45 0:00

XS
SM
MD
LG