ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“መንግስቲ ኢትዮጵያ HR 128 ከይሓልፍ ኣብ መንጎ ሃገራትና ዘሎ ምትሕብባርን ርክብን ብዝተኣሳሰር ዝኾነ ይኹን ጸቕጢ ኣይገበረን” ኣምባ. ማይክል ሬይነር


ሓድሽ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር
ሓድሽ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር

መንግስቲ ኢትዮጵያ HR 128 ከይሓልፍ ኣብ መንጎ ሃገራትና ዘሎ ምትሕብባርን ርክብን ብዝተኣሳሰር ዝኾነ ይኹን ጸቕጢ ኣይገበረን ክብሉ ሓድሽ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር ገሊፆም።ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ኣምባሳደርነት ስርሖም ቀዳምነት ብዛዕባ ዝህቡዎም ጉዳያት እውን ተዛሪቦም ኣለው።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ሬይነር ቀዳምነት ዝህቡዎም ጉዳያት ክዝርዝሩ ከለው ንኢትዮጵያን ህዝባን ዘለዎም ፍቕሪ ብምቕዳም ይጅምሩ።

“ቅድሚ ኩሉ ናብ ኢትዮጵያ ምምፅአይ ማዕረ ክንደይ ሕጉስ ምዃነይ ክዛረብ እደሊ።ናይ ዲፕሎማሲ ስርሐይ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ከም ቱሪስት ክበፅሓ ዝምነያ ሃገር እያ።ከም ኣምባሳደር ኣብዚ ንምስራሕ ዕድል ረኺበ ኣለኹ።እዛ እትድነቕ ሃገርን ህዝባን ብዝግባእ ንምፍላጥ ግዜ ረኺበ ኣለኹ።እዚ ዘሕጉስ ናይ ህይወተይን ናይ ስራሕን ግዜ እዩ።ምሉእ ብምሉእ ክጥቀመሉን ናብ ውፅኢት ክቕይሮን ዝብህጎ እዩ።”

ብዲፕሎማሲያዊ ሞያኦም ድማ ንሰለስተ ጉዳያት ቀዳምነት ከምዝህቡ ከምዚ ኢሎም።

“ብኣምባሳደርነት ስርሐይ ቀዳምነት ክህቦም ዝደሊ ጉዳያት ኣብ ሰለስተ ዘፈራት ዝኸፋፍሎም ይመስለኒ።እቲ ሓደ ምስ ኢትዮጵያ ዝህለወና ምሕዝነት ምሕያል እዩ።ንቁጠባዊ ምዕባለን ልምዓትን ንናይታ ሃገር ብልፅግና ብምስራሕ፡ ካልኣይ ከባቢያ ፀጥታን ምርግጋፅን ኣብ ምምፃእ ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ሽርክና ምሕያልን ምቕፃልን እዩ።ሳልሳይ ፖለቲካዊ ሃውህው ክሰፍሕ፣ሰናይ ምሕደራ ክህልው፣ልዕልነት ሕግን ሰብኣዊ መሰልን ክኽበር ምስራሕ እዮም።”

ኣምባሳደር ማይክል ረይነር ሳልሳይ ትኹረቶም ምዃኑ ዝገለፁዎ ጉዳያት ልዕልና ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ናይ ኣፈላላይ ነጥቢ ኮይኑ ዝቐፀለ እዩ።

ሓድ ሓደ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ተሓታትነት ዘስዕብ ሕጊ ንምውፃእ ተንቀሳቒሶም።ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከይዲ ዝርከብን ብኣባል ኮንግረስ ክሪስ ስሚዝ ዝረቐቐን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ተሓታትነት ሕጊ ዝጥቀስ እዩ።

እዚ ብናይ ኮንግረስ ናይ ወፃኢ ጉዳያት ኮሚቴ ዝሓለፈ ሕጊ ብኮንግረስ ድምፂ ክውሃቦ ትፅቢት ይግበረሉ ኣብዝነበረ እዋን ንኻልእ እዋን ተመሓላሊፉ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ዘለዎ ምትሕብባር ፀረ ግብረሽብራ ብምጥቓስ ብሰንኪ ዘቕረቦ ሕቶ ምዃኑ ዝተዘርግሑ ሓበሬታት ኣለው።ኣምባሳደር ረይነር ግን እዚ ዝተጋገየ እዩ ኢሎም።’’ኣነ ዝተሳተፍክሉ ከምዚ ዝበለ ፅምዶ ፈፂሙ ኣይነበረን፤ከም ኣብቶም ካልኦት ጉዳያት ኮንግረስ ከምዚ ዝበለ ሕጊ ንምውፃእ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ነይሩና፤እቲ ሕጊ ኣይፀደቐን ዝፀድቕ እንተኾይኑ እውን ግልፂ ኣይኮነን’’ኢሎም።

“ኢትዮጵያ እዚ ሕጊ እዚ ከምዝተሓሳስባ ገሊፃ’ላ።ግን እቲ ዝተሓሳስቦም ጉዳይ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትና ካብ ዘለና ዝኾነ ይኹን ምትሕብባርን ርክብን ክነተሓሕዞ ኣብ ልዕለይ ይኹን ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዘለው መሳርሕተይ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ጸቕጢ ኣይገበሩን።”

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፀረ-ግብረሽብራ ሕጉ ይጥቀመሉ ዘሎ ኣገባብ ከምዝተሓሳቦም ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ተቓወምቲ ውድባትን ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።

ፍሉጥ መራሕቲ ተቓዋሚ ፓርቲ ዶ/ር መረራ ጉዲና ሓዊሱ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ምስዚ ሕጊ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።ናይዚ ሕጊ ኣፈፃፅማ የተሓሳስበና’ሎ ናይ ዝብሉ ወገናት እምነት ተኻፈልቲ ኢና ኢሎም ኣምባሳደር ማይክል ረይነር ።

ዲቪ ሎተሪ ከቋርፅ እንተኾይኑ ዝተሓተቱ ኣምባሳደር ረይነር ዝርዝረ ሓበሬታ ከምዘይብሎም ብምግላፅ እንተኾነ ግን ኣሜሪካ ንናይ ስደተኛታት ፖሊሲኣ ብስፍሓት ኣብ ምርኣይ ከምእትርከብ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG