ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሕመድ ዓብደልራሒም -- ኣብ ቀጻሊ ፈጠራ፡ ቀጻሊ ምምሕያሽ


ኣሕመድ ዓብደልራሒም -- ኣብ ቀጻሊ ፈጠራ፡ ቀጻሊ ምምሕያሽ
please wait

No media source currently available

0:00 0:31:48 0:00

ኣሕመድ ዓብደልራሒም -- ኣብ ቀጻሊ ፈጠራ፡ ቀጻሊ ምምሕያሽ

ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብር ኤርትራዊ ድምጻዊ ኣሕመድ ዓብደልራሒም፡ ኣብ ወርሒ ነሓስ “ግርማ” እትብል ናይ ህቡብ ድምጻዊ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) ደጊሙን ኣመሓዪሹን ድሕሪ ምድራፉ፡ እታ ደርፊ፡ ኣቓልቦ ሓያሎ ሰማዕቲ ስሒባ ኣላ። ኣሕመድ ኣብዚ ብእንግሊዘኛ “ረንደሽን” ዝብሃል፡ ምድጋም ዘይኰነስ ኣመሓዪሽካ ምድራፍ፡ ካብቶም ቀዲሞም ዝጥቀሱ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ናይ ሓያሎ ድምጻውያን ከምእኒ ናይ ሓጐስ ብርሃነ፡ ተስፋይ መሓሪ (ፍሒራ)፡ ኢንጂነር ኣስገዶም ወልደሚኤል (ሳባ-ሳቢን) ናብ ሰማዕቲ ዝዘርግሐ ኣሕመድ፡ ናቱ መበቆላዊ ደርፍታት’ውን ብዙሕ ኣፍርዩ’ዩ። በበይኑ መሳርሒታት ሙዚቃ ከም ዝጻወት ዝገልጽ ኣሕመድ፡ ኣብ ስነ-ሙዚቃ ኤርትራ ንዝተጻወቶ ፍሉይ ኣበርክቶ ኣመልኪትና’ውን ንድምጻዊን ሙዚቀኛን ግርማይ ዓንዶም ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG