ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ማዕልቲ ሰብኣዊ መሰላት ፅባሕ ክኽበር እዩ


ሓሳብካ ናይ ምግላፅ መሰል ኣዚዩ መሰረታዊ ካብ ዝኾኑ መሰላት ሰባት ምዃኑ ዘዘኻኸረ ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ሰባት መሰሎም ዘይተሓለወ ምዃኑ እንተድኣ ተሰሚዑዎም ዝገልፅሉ መንገዲ እዩ ኢሉ።ምስ ኣረኣእያ ካልኦት ሰባት ዘይትሰማማዕ ትኽእል ኢኻ ከምኡ ናይ ምባል መሰሎም ግን ክተኽብር ኣለካ ኢሎም ወሃቢ ቃል እቲ እምባሲ ኒኮላስ ባርኔት።

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት 10 ታሕሳስ 1948 ኣ/ፈ ንኣዋጅ ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት ኣፅዲቑ።ነዚ እውን እዩ 10 ታሕሳስ ማዕልቲ ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ዝኽበር ዘሎ።

ብደረጃ ዓለም ፅባሕ ቀዳም ዝኽበር ዓለምለኸ ማዕልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ቃለ ምልልስ ዘካይዱ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ወሃቢ ቃል ኒኮላስ ባርኔት መሰል ብነፃነት ሓሳብካ ምግላፅ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

‘’ምኽንያቱ ድማ’’ ኢሎም ንሶም ‘’ሰባት መሰልና ኣይተሓለወን ኢሎም ክስምዖም ከሎ ክዛረቡ ስለዘኽእሎም እዩ’’ኢሎም።ንዩናይትድ ስቴትስ እውን ዝምልከት ከምዝኾነ ብምግላፅ ‘’ምንቃፍን መረረት ምቕራብን ምስ ምክእኣል ዝተኣሳሰረ እዩ።ምስ ኣበሃህላ ሰባት ዘይክትሰማማዕ ትኽእል፤ከምኡ ናይ ምባል መሰሎም ግን ክተኽብር ኣለካ’’ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:03 0:00

XS
SM
MD
LG