ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣገልግሎት ኢንተርነት ሃገራት ዓለም የንቆልቁል ምህላው ተገሊጹ


ኣብ መላእ ዓለም ኣገልግሎት ኢንተርነት ሃገራት ዓለም የንቆልቁል ምህላው፡ ገለ መንግስታት እውን ኣገልግሎት ኢንተርነት ሞባይል ቴሌፎን፡ ፈነወ ቪድዮ ብቀጥታ ዝኸልከላ ከምዘለዋ ፍሪደም ሃውስ ኣብ ዝውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።

እቲ ትካል ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ካብ ወርሒ ሰነ 2016 ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2017 ዝሽፍን ኣብ 65 ሃገራት ዓለም ዝተኻየደ ምርመራ ምዃኑ ብምግላጽ እዘን ሃገራት ን87 ሚእታዊት ዝርጋሓ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዓለም ዝሽፍና ምኳነ’ውን ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ኢንተርነት ልዑል ምንቁልቋል ካብ ዘርኣየለን ሃገራት ቀዳመይቲ ቻይና ክትስራዕ ከላ ሶርያን ኢትዮጵያን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ዝሓዘ ኮይነን ዩክሬን፡ግብጺ፡ቱርኪ እውን ብቀዳምነት ይጥቀሳ።

ጸብጻብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሃገራት ዓለም 2017 ኣብዚ ምርኣይ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG