ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢንተርኔት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክለቓቕሑ ኣብ ምሕጋዝ ዓብይ ታራ ይፃወት ከምዘሎ ተገሊፁ


ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣናእሽቱ ልቓሕ ከመይ ገይሩ ክሕግዘነን ከምዝኽእል የተኩሩ

ኢንተርኔት ኣናሽቱ ነጋዶን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ብኢንዱስትሪ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከቡ ኢንቨስተራትን ህዝቢ ንህዝቢ ክለቓቕሕሉ ኣብምርኻብ ኣበርክቶ እናገበረ ይርከብ።እዞም ማይክሮሎን ተባሂሎም ዝፅዋዑ ልቓሓት ኣብ ኣፍሪካ፡ኢስያን ካልኦት ከባቢታትን ናብ ዝርከቡ ብስድራ ዝውነኑ ትካላት ንግዲ ዘቕንዑ እዮም።

ናይ ክልተ ዶላር ልቓሕ ነዛ ቡሩንዳዊት ሰበይቲ ካብ ሙዝ ዝስራሕ ስዋ ናይ ዝዓይነቱ መስተ ንግዲ ንኽትጅምር ኣኽኢሉዋ።እቶም ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣናእሽቱ ልቓሕ ከመይ ገይሩ ክሕግዘነን ከምዝኽእል የተኩሩ።

ኮርፐረሽናት ባህላዊ ማእኽል ስኪርቦል ንዝተብሃለ ትካል ዝህብዎ ናይ ገንዘብ ሓገዝ እቲ ትካል ብወገኑ ናብቲ ማእኸል ንዝመፁ ሕድ ሕድ ሰባት ንግዲ ንኽጅምሩ ሓደ ዶላር ይህቦም።ኪቫ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ናይ ማይክሮሎን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ካብቶም ናይቲ ፕሮጀክት መሻርኽቲ ሓደ እዩ።

ኪቫ ኦርግ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ሰባት ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ናይ ንግዲ ፕሮጀክታት ንምስራሕ ከመይ ገይሮም ንእሽተይ ገንዘብ ከምዝምውሉ ዝሕግዝ ትካል እዩ።እቲ ገንዘብ ልቓሕ እምበር ውህብቶ ኣይኮነን።ተለቃሕቲ ንዝተለቅሕዎ ናይ ምኽፋል ዕድሎም ድማ 98 ሚእታዊ ምዃኑ ኪቫ ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG