ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ኣብ ቓዛ ምቁራጹ ተገሊጹ


ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ኣብ ቓዛ ምቁራጹ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:23 0:00

ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ኣብ ቓዛ ምቁራጹ ተገሊጹ

ኣብ ቓዛ ወተሃደራት እስራኤል ምስ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ዝዋግእሉ ዘለዉ እዋን፡ ሎሚ ረቡዕ 1 ሕዳር 2023 ኢንተርነትን ተሌፎንን ተቋሪጹ`ሎ።

ብሰንኪ`ቲ ዕጽዋ ድማ ትካላት ረድኤት ስራሕና ክንገብር ኣይከኣልናን ክብሉ የማርሩ ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን፡ ፓስፖርት ወጻኢ ሃገራት ዝሓዙ ሰባት ካብ ቓዛ ብሸነኽ ዶብ ግብጺ ክሃድሙ ኣብ ዶብ ዓሲሎም ኣለዉ።

መዓልታዊ ደብዳብ ነፈርቲ፡ እንተላይ ኣብ ጥቓ ከተማ ቓዛ ንህንጻታት መዕቆቢ ስደተኛታት ዘዕነወ መጥቃዕቲ፡ ብዙሓት ኣባይቶም ሓዲጎም ክሃድሙን፡ ቀረባት ክጽንቀቕን ኣገዲዱ`ሎ።

ሓማስ ብወገኑ ሰባት ካብ ቓዛ ከይውጹ ይኽልክል። እንተኾነ ሎሚ ረቡዕ ሓደ ስምምዕ ዝተበጽሐ ይመስል፡ ልዕሊ 400 ዝኾኑ ፓስፖርት ወጻኢ ሃገራት ዝሓዙ ናብ ግብጺ ክሰግሩ ብምምሕዳር ፍልስጤማውያን ተፈቒድሎም ኣሎ።

ግብጺ ብወገና "ፍልስጤማዊያን ብብዝሒ ክኣትዉኒ ኣየፍቅድን`የ" ክትብል ጸኒሓ`ላ፡ ምኽንያቱ እቲ ውግእ ምስ ሓለፈ፡ ናብ ዓዶም ክምለሱ እስራኤል ክትክልክሎም ትኽእል`ያ ካብ ዝብል ስግኣት። ኣብ ከባቢ ዶብ ትርከብ ከተማ ራፋሕ፡ ናብ ግብጺ ክሰግሩ ብዝደልዩ ብዙሓት ተጨናኒቓ ትርከብ። ውጉኣት ዝሓዛ ኣምቡላንሳት `ውን ይመላለሳ። ሰበ-ስልጣን ግብጺ፡ ሎሚ 80 ፍልስጤማውያን ቁሱላት ክኣትዉ ፈቒዶም ኣለዉ፡ብመሰረት ሚንስትሪ ጥዕና ግብጺ ኣብቲ ከባቢ ዶብ ግብጺ ግዚያዊ ሕክምና ጌሮም ኣለዉ፡ ።

እንተኾነ ኣስታት 800-ሽሕ ፍልስጤማውያን ካብ ደቡብን ሰሜንን ቓዛ ኣብ ዝሃደምሉ እዋን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ግን ምስ ካልእ ዓለም ርክብ ተበቲኽዎም ኣሎ። `ፓልተል` ዝብሃል ናይ ፍልስጤማውያን ተሌኮምንኬሽን ድሕሪ ምሉእ ዕጽዋ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ቀስ እናበለ ክምለስ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ። ተሓላቒ ዕድላት ኢንተርነት ኔትብሎክስ ብወገኑ እቲ ዕጽዋ ብእስራኤል ዝተወስደ ስጉምቲ`ዩ ይብል።

ድሕሪ`ቲ ሓማስ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዝፈጸሞ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ንሓማስ ከይደምሰሰት ከም ዘይትምለስ ቆሪጻ`ላ። እስራኤል ንቓዛ ክተመሓደር መደብ ከም ዘይብላ እንተገለጸት`ኳ፡ መን የመሓድር ኣብ ዝብል ግን ንጹርነት የብላን።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ንባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ዘይሩ ዘይሩ ዘላቕነት ንክህልዎ፡ ንጸጥታ ቓዛ ሓላፍነት ዝወስድ ኣድማዒ ምምሕዳር ፍልስጤማውያን ክቐውም ኣለዎ ኢሉ።

ሓማስ ኣብ 2007 ምስ ሓይልታት ምምሕዳር ፍልስጤማያን ብዝገበሮ ከቢድ ኩናት፡ ካብ ስልጣኖም ኣልጊሱ፡ ናብቲ ብኸፊል እስራኤል ተመሓድሮ ምዕራባዊ ገማግም ሰጉጉ፡ ባዕሉ ንምምሕዳር ቓዛ ከም ዝተቖጻጸሮ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG