ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማታት ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ኣገልግሎት ኢንተርነትን ቴሌፎን ምዕጻው ነበርቲ ሓቢሮም


ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ኣብዘለዋ ከተማታት ብፍላይ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ንኣዋርሕ ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ምቁራፁ ነበርቲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ኢንተርኔት ብምዕፃውን ንማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብምእጋድን ፖለቲካውን ማሕበራውን ርክባት የተዓናቕፍ፣ይዕፍን፣ሓበሬታ ብዝግባእ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ከይበፅሕ ይቆፃፅር ክብሉ ነቐፍቲ ይገልፁ።

ኣብ ኣገልግሎት ኢንተርኔት መፅናዕቲ ዘካይዱ ዝተፈላለዩ ትካላት ኢትዮጵያ ነፃነት ኢንተርኔት ዘይብላ፤ኢንተርኔት ኽቡር ዋጋ ትሸይጥ ሃገር ይብሉ ነቐፍቲ።

ካብ ኢትዮ ቴሌኮም መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ እውን ኣይሰለጠን ።

XS
SM
MD
LG