ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣህጉራዊ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ መንደፈራ ተዘኺሩ


ዓርቢ 25 ነሓሰ 2017 ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝተዘከረ ኣህጉራዊ መዓልቲ መንእሰያት፡ተራ ትምህርትን ዕዮን ኣብ ምህናጽ ሰላም ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ተገሊጹ።

ትምህርቲ ኣትሓሳስባ ሰባት ኣብ ምስፋሕን ኣብ ምፍታሕ ግርጭታት ልዑል ተራ ከምዝጻወት ተኣሚኑሉ፡ ኣብ ምዕዋት ሸቶ ነባሪ ምዕባለ 2030 ዓ.ም ከም ቀንዲ መሳርሒ ኮይኑ ከምዘገልግል ተጠቒሱ።

ስራሕ፡ መሰል ናይ ዝኾነ ሰብ ከምዝኮነን መንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድላት ምስ ዝፍጠርሎም ኣብ ምህናጽን ምዕቃብን ሰላም ልዑል ኣበርክቶ ከምዘሎዎም ተሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ዘለናዮ 21 ክፍለ ዘመን፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ኩናት እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይ ዓለምና ከምዝኾነ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ።

ተሳተፍቲ መንእሰያት ብወገኖም፡ “ሰላም ንደልዮ ዘይኮነስ ዘድልየና‘ዩ” ዝብሉ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣህጉራዊ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ መንደፈራ ተዘኺሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:01 0:00

XS
SM
MD
LG