ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብዚ ቐረባ International Food Policy Research Institute ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኤርትራውን ኢትዮጵያውን ሰብ-ሞያ ርኢቶ ሂቦምሉ


International Food Policy Research Institute ኣብ ፀብፃቡ ኣብ ዓለምና ንኤርትራ ሓዊሱ ኣርባዕተ ሃገራት ኣብ ኣዚዩ ዝለዓለ ደረጃ ጥምየት፡ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት 25 ሃገራት ድማ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ጥምየት ሰሪዕወን ኣሎ

International Food Policy Research Institute ኣብ ፀብፃቡ ኣብ ዓለምና ንኤርትራ ሓዊሱ ኣርባዕተ ሃገራት ኣብ ኣዚዩ ዝለዓለ ደረጃ ጥምየት፡ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት 25 ሃገራት ድማ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ጥምየት ሰሪዕወን ኣሎ።

ብዛዕባ እቲ ሪፖርት መብርሂ ዝሃቡና ብቢስነስ ኣድምንስትረሽን ክኢላ ዶ/ር ፍስሃየ እምባየ ካብ ቴክሳስን ክኢላ ስነቑጠባ ኣቶ ሓጎስ ገብረ ካብ ሜሪላንድን እዮም።ዶ/ር ፍስሃየ ብዛዕባ ርትዓውነት እቲ ሪፖርት ዘለዎም ስክፍታ ኣይሓብኡን። “ናይ ኤርትራ ምዕባለ ቅድሚ 10 ዓመት ኸይዱ ዝረኣያን፡ ሕጂ ኸይዱ ኽርእያን፡ እቲ ምዕባለ ሰማይን ምድርን`ዩ ዘሎ”.

እቶ ሓጎስ ገብረ ብወገኖም እቲ ደረጃ ጥምየት ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ደረጃ ትሕት ምባሉ፡ ነቲ ኣብ`ታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዝንጸባርቕ ክኸውን ይኽእል ።

ንምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣቲኹም ስምዑ።

XS
SM
MD
LG